ድሕሪ መጠነ ሰፊሕ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን፡ ሽወደን ናብ ሩስያ እተግበሮ ሰደድ ብዓቢኡ ምንካዩ ተገሊጹ። ይዂንምበር
ናይ ኬሚካል ሰደድ ግና ብኣንጻሩ ወሲኹ’ሎ። ዳርጋ ኲሉ እዚ ሰደድ ኬሚካላት ሽወደንን ብሪጣንያን ብጥምረት ዝውንንኦ
ኲባንያ “ኣስትራ-ዘነካ” እዩ ዘካይዶ ዘሎ ክትብል ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ።
እቲ ሰደድ ህሉው እገዳታትን ሕጊታትን ኣብ ግምት ብምእታው እዩ ዝካየድ ዘሎ። እቶም ኬሚካላት ኣብ ሩስያ ናብ ዝርከብ ኲባንያ
መፍረ መድሃኒት ይኸዱ ምህላዎም እታ ሬድዮ ወሲኻ ኣመልኪታ’ላ።