ብሰንኪ ቅልውላው ቫይረስ ኮሮና ኣብ ልዕሊ ኣረጋውያን ወሪዱ ዘሎ ናይ ተነጽሎ (ብሕታውነት) ኣጋጣሚ ንምቅላል ብምባል መንግስቲ ሽወደን ምስ ሰልፍታት ማእከልን ሊበራልን ብምትሕግጋዝ 30 ሚልዮን ክሮነር ክስልዕ ምዃኑ TT ሓቢሩ።
እቲ ገንዘብ ናብ ኩለን ምምሕዳራት ሽወደን ክካፈል እዩ። እተን ምምሕዳራት ብወገነን፡ ኣረጋውያን ኣብ ዘለውዎ ቦታታት ብጽምዋ ከይሳቐዩ ምእንቲ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ይኹን ብኻልእ ኣገባባት ገይሮም ምስ ቤተ ሰቦም ክራኸብሉ ዝኽእሉ ኣገልግሎታት ክዳለወሎም እየን ክትብል ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት ሽወደን መብርሂ ሂባ።
ካብ ዝተሰለዐ ገንዘብ እጃም ከተማ ስቶክሆልም እቲ ዝዓበየ ኮይኑ 2.3 ሚልዮን ክሮነር ዝበጽሕ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ዝወሓደ እጃም ድማ ናይ ከተማ ማሎ ኮይኑ ክሳብ 14 ሽሕ ክሮነር ክበጽሕ እዩ።