ብሰንኪ ብገለ ወተሃደራት እተኻየደ ፈተነ ዕልዋ: መንግስቲ ኣመሪካ :ነቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ኒጀር–ኒያሜ ዝርከብ ኤምባሲኣ ምዕጻዋ ቢቢሲ ሓቢራ።
“ብምኽንያት ኣብ ጎደቦና ዝስማዕ ዘሎ ድምጺ ተዂሲ: ኤምባሲና ካብ ረቡዕ 31 መጋቢት 2021: ኣትሒዙ ክዕጾ እዩ። ክሳብ ተወሳኺ ሓበሬታ ነውጽእ: ቆንስላዊ ኣገልግሎት: ኣቋሪጽናዮ ኣሎና። ክሳብ ተወሳኺ ሓበሬታ ዝወሃቦም ኲሎም ሰራሕተኛታት ኣብ ቤቶም ክጸንሑ ነተሓሳስብ” ዝብል ጽሑፍ ኣብ መርበብ ሓበሬታ እቲ ኤምባሲ ተዘርጊሑ’ሎ።
እቲ ኲነታት ሃዲኡ ምህላዉን ድሕሪ ክልተ መዓልታት: ፕረሲደንት መሓመድ ባዙም: ቃለ መሓላ ክፍጽምን ምዃኑ ድማ ተገሊጹ’ሎ።
እዚ ኣብ ታሪኽ ማሊ ንፈለማ እዋን ብዴሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተኻየደ ምስግጋር ስልጣን ክኸውን እዩ ተባሂሉ’ሎ። መሓመድ ባዙም: ዝሓለፈ ወርሒ ድሕሪ ዝተኻየደ ምርጫ: ንመሓመድ ዑስማን: ብምስዓር ዝተዓወተን ኣቐዲሙ ብመዝነት ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጒዳያት ዝሰርሕ ዝነበረን እዩ።
መሓመድ ዑስማን: ነታ ሃገር ኣብ ክልተ እብረ: ንዓሰርተ ዓመት ከም ዝመርሓን ዝሓለፈ ወርሒ ስልጣኑ ምሕዳጉን ይፍለጥ።