ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ሎሚ ሰሉስ፡ ንምውጻእ ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ኣመልኪቱ፡ ንህዝቢ ኣመሪካ መግለጺ ክህብ ምዃኑ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ኣሜሪካ፡ ኣብ ካቡል ዝነበረ ንብረታ– ነፋሪት ኲናት ሓዊስካ ዝተፈላልየ ወተሃደራዊ ተሽከርከርቲን ካልእን—ጣሊባን ተመሊሱ ከይጥቀምሉ ብዝብል ምኽንያት ኣዕንያቶ ከም ዘላ ገሊጻ።
ኣብዚ ቀረባ ሳምንታት፡ ኣሜሪካ፡ ንልዕሊ 12 ሽሕ ሰባት ዘጓዓዘትሉ ኣገባብ፡ ኣብ ታሪኻ ዘሳለጠቶ ዝዓበየ ናይ መድሕን ዕማም እዩ ክብል ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ’ሎ።
ወተሃደራትና መወዳድርቲ ብዘይብሉ ትብዓት፡ ሞያን ቆራጽነትን ነዚ ዕዮ ኣሳሊጦም ኣለዉ። በዚ ድማ ኣብ ኣፍጋኒስታን ን20 ዓመታት ዝጸንሐ ተልእኾና ኣብቂዑ’ሎ ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
እዚ ናይ ኣሜሪካ ምውጻእ፡ ነቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝነበረ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት፡ ናብ ቐጠር (ዶሓ) ክሰጋግሮ እዩ ክብል ጸሓፊ ጒዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ኣመልኪቱ’ሎ።
ካብ 100 ክሳብ 200 ዝኾኑ ዜጋታት ኣመሪካ ሕጂ’ውን ኣብ ኣፍጋኒስታን ምህላዎም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኲሎም ክለቁ ዝደልዩ ኣመሪካውያን ንኸውጽእ መንግስቱ ድሉው ምዃኑ ብሊንከን ኣረዲኡ’ሎ።
ምስ ምውጻእ ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን፡ ኣብ ካቡል ዝነበራ ድሩዓት ወተሃደራውያን ተሽከርከርቲ፡ ጣሊባን ከይጥቀሙለን መታን፡ ኮነ ኢልካ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ክኾና ከምዝተገብረ ሰራዊት ኣመሪካ ገሊጹ’ሎ። ጸረ ነፈርቲ ይዂና ነፈርቲ እውን ስለ ዘዕነናየን ዝጥቀመለን ኣይክህሉን እዩ ክብል ኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካ፡ ከኔዝ ማኬንዚ፡ ሓቢሩ’ሎ።
ነዚ ወተሃደራዊ ናውቲ ምሉእ ብምሉእ ምዕናው ዝተሓላለኸን ግዜ ዝሓትትን ዕዮ እዩ ኔሩ ክብሉ እቶም ወተሃደራውያን ሰብመዚ ወሲኾም ሓቢሮም።