ዜጋታት ሆንግ ኮንግ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝተናውሐ (ናይ ዓመትን መንፈቕን) ፍቓድ መንበሪ ክወሃቦም እዩ ዝብል ፕረዚደንታዊ ውሳኔ ከምዝተመሓላለፈ፡ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
እዚ ዝኾነሉ ዘሎ ምኽንያት ድማ፡ ቻይና፡ ንሉእላውነት ሆንግ ኮንግ ብምጥሓስ፡ ዴሞክራሲን ነጻ ፕረስን ብምዕፋና እዩ ክብሉ ሰብመዚ ኣመሪካ ገሊጾም ኣለዉ። እዚ ድማ፡ ንኣሜሪካ ካብቲ ዘሻቕል ኩነታት ናይ ወጻኢ ፖሊሲታታ እዩ ክብል፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ዝጸሓፎ ገሊጹ።
እዚ ውሳነ፡ ነቶም ኣብ ኣመሪካ ንዘለዉ ዜጋታት ሆንግ ኮንግ ከም ዝምልከትን ፍቓድ ስራሕ ከውጽኡ ከም ዝኽእሉን እውን ተሓቢሩ።
ምምሕዳር ጆ ባይደን ኲባንያታት ኣብታ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ብመንግስቲ ቻይና “ሕጊ ጸጥታ” ዝኣወጀላ ሆንግ ኮንግ ከይዓዩ መጠንቀቕታ ምውራዱን ካብኡ ሓሊፉ’ውን ኣብ ልዕሊ ተወከልቲ መንግስቲ ቻይና እገዳታት ጽዒኑ ምጽንሑን ዝፍለጥ እዩ።