![UN General Assembly Empty UN Photo Gallery](https://www.harmonymedia.se/wp-content/uploads/2021/06/sdlAiUvB2dapV4-nh-scaled.jpg)
The Security Council steak out area is closed off to members of the media during the 75th session of the United Nations General Assembly, Wednesday, Sept. 23, 2020, at U.N. headquarters. This year's annual gathering of world leaders at U.N. headquarters will be almost entirely "virtual." Leaders have been asked to pre-record their speeches, which will be shown in the General Assembly chamber, where each of the 193 U.N. member nations are allowed to have one diplomat present. (AP Photo/Mary Altaffer) UNMA312
ኣመሪካ፥ ብሪጣንያን ኣየርላንድን ንትግራይ ዛዕባ ዝገበረ ህጹጽ ጒባኤ ባይቶ ጸጥታ ክግበር ጻውዒት ምቕራበን AFP ሓቢራ።
እዚ ኣኼባ ዝመጽእ ዓርቢ ክካይድ እዩ ተባሂሉ’ሎ።
መንግስቲ ትግራይ ብሓይልታት ፈደራል ድሕሪ ምእላዩ ሰራዊት ትግራይ ንሸሞንተ ኣዋርሕ ድሕሪ ዘካየዶ ኲናት ትማል ሰኑይ ብዓወት ናብ ከተማ መቐለ ምእታዉ ማዕከናት ዜና ዓለም ይጽብጽባ ኣለዋ። እዚ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ዝጽዋዕ ዘሎ እዚ ወሳኒ ፍጻመ ድሕሪ ምኽሳቱ ምዃኑ እቲ ዜና ወሲኹ ኣመልኪቱ።
ኣሽሓት ነበርቲ ከተማ መቐለ ኣብ ጎደናታት ወጺኡ ባንዴራ ትግራይ ብምንብልባል፥ ርችት ብምትኳስን ብዕልልታን ጨፈራን ሓጎሱ ይገልጹ ኣለዉ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ በይናዊ ምቊራጽ ተዂሲ ኣዊጁ’ሎ። ዋና ጸሓፊ UN ኣንቶንዮ ጉተረዝ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ምዝርራቡን ምቊራጽ ተጻብኦታት ክኽሰት ተስፋ ከም ዘለዎን ገሊጹ’ሎ።
ኣብ ትግራይ ኣብ መንጐ ሓይልታት ትግራይን መንግስቲ ፌደራልን መሻርክቱን ክግበር ብዝጸንሐ ኲናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣዝዩ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ምኽሳቱ ጸብጻባት የመልክቱ።