ድሕሪ ምምጻእ ፕረዚደንት ባይደን: ላዕለዎት ዲፕሎማሰኛታት ክልቲኣተን ሃገራት: ኣንቶኒ ብሊንከንን ሰርጌ ላቭሮቭን: ገጽ ንገጽ ተራኺቦም ዝገብርዎ ዘተ ውጽኢታዊ ክኸውን ዘለዎም ተስፋ ይገልጹ ኣለዉ። ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት: መጻርርቲ ዝነበራ ሃገራት: ኣመሪካን ሩስያን: ኣብ ኣህጉራዊ ጒዳያት ኣፈላላይ ፖሊሲ እኳ እንተሃለወን: ኣብ ዘገድስወን ጒዳያት: ብሓባር ክሰርሓ ከም ዝኽእላ ተገሊጹ።
ብረቡዕ: ጸሓፊ ጒዳያት ወጻኢ ኣመሪካ: ኣንቶኒ ብሊንከን: ምስ መዘናኡ ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሩስያ: ምስ ተራኸበ “ርግጽ’ዩ ዓበይቲ ፍልልያት ኣሎና” ድሕሪ ምባል: እንተኾነ ግና: መራሕቲ እዘን ክልተ ሃገራት ብሓባር እንተሰሪሕና: ዓለምና ዝሓሸ ጸጥታን ርግኣትን ዘለዋ ክትከውን ኣድላዪ እዩ: ክብል ኣስሚሩሉ። ብፍላይ ኣብ ጒዳይ ብከላ ዓለምና: ለበዳ ኮሮና: ጒዳይ ኢራን: ሰሜን ኮርያን ኣፍጋኒስታንን ምስ ሩስያ “ርግእ ዘበለን ተነባዪን ርክብ ክህልወና” ንደሊ ኢና ኢሉ።
ላቭሮቭ ብወገኑ: ነቲ ርክብ ሃናጺን ኣገዳሲን እዩ ኔሩ ብምባል ድሕሪ ምንኣድ: ክልቲኣተን ሃገራት: ዝምድናአን ምድልዳል ከም ዘድልየን ምስምማዐን: ንኣገልግሎት ዜና ሩስያ: ገሊጹ’ሎ።
መራሕቲ ክልቲኣተን ሃገራት: ባይደንን ፑቲንን: ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሰነ ክራኸቡ: ክልቲኣቶም ጸሓፍቲ ጒዳያት ወጻኢ: እማመ ከዳልዉ ከም እተሰማምዑ ቢቢሲ ሓቢራ’ላ።