ፈረንሳ፡ ቅድሚ 60 ዓመታት፡ ንውሩይ ኣልጀርያዊ ሃገራዊ ተቓላሳይ ከም ዘሳቐየትን ዝቐተለትን ተኣሚና።
ኣልጀርያዊ ሃገራዊ ተቓላሳይ፡ ዓሊ ቡመንጀል፡ ኣብ 1957 ኣብ ዝተኻየደ ብረታዊ ቃልሲ ንናጽነት፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ብኡንብኡ ድማ ኩነታት ሞቱ፡ ብነፍሰ ቕትለት፡ ከም እተመኻነየ ዝዝከር እዩ። ፕረዚደንት ፈረንሳ፡ ኢማኔል ማርኮን፡ ምስ ደቂ ደቁ ንቡመንጅል ብምርካብ፡ ብዛዕባ ሓቀኛ ኣማውታ እቲ ሓርበኛ፡ ከም ዝነገሮም ቢቢሲ ሓቢራ’ላ። ብነፍሰ ቕትለት ኣይኮነን ሞይቱ። ኮነ ኢልካ ክሳቐን ክቕተልን እዩ ተጌሩ ኢሉ።
ኣልጀርያ ብ 1962 እያ ካብ መግዛእቲ ፈረንሳ ሓራ ወጺኣ። 37 ዝዕድሚኡ ጠበቓን ሃገራውን፡ ቡመንጀል፡ ኣንጻር መግዛእቲ ወፍሪ ሓርነት ብምስባኽ እዩ ዝፍለጥ። እዚ ኣክቲቪስት፡ ካብ ሻድሻይ ደርቢ ከም ዝወድቕ ብምግባር ሞቱ ነፋሰ ቕትለት ክመስል ተጌሩ ምንባሩ እውን እቲ ፕረዚደንት ተኣሚኑ።
ኣብ እዋን መግዛእቲ ፈረንሳ፡ ሓላፊ ጸጥታዊ ጉዳያት ኣልጀርያ፡ ዝነበረ ጀነራል ፖል ኦሳረስ፡ ኣብ 2001 ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ንዓሰርተታት እሱራት ኣልጀርያውያን እንተላይ ቡመንጀል ክቕተሉ ምግባሩ ገሊጹ እዩ።
እዚ ምእማን ቅትለት ቡመንጀል፡ ብስም ሃገረ ፈረንሳ ከም እተገብረ ማርኮን ሓቢሩ። ፈረንሳን ኣልጀርያን ነቲ ዘመነ መግዛእቲ ፈረንሳ ክዛዘም ዝገበረ ኲናትን ፍጻመታቱን ብምዝካር ዝምድናአን ከመሓይሻ እተወስደ ናይ ምእማን ተግባር ምዃኑ’ውን ተገሊጹ።