ድሕሪ ብመልክዕ ልቓሕ ካብ ጀርመናዊት ክለብ ደርትሞንድ ናብ ሆላንዳዊት ክለብ ዊልያም ካልኣይ ብምስግጋር ዕውት ግዜ ዘሕለፋ ኣሌክሳንደር ኢሳቅ፣ እንሆ ሕጂ ድማ ዓመታዊ ብ ኢጣልያዊት መጋዘን ቱቶ ስፖርት እንዳተዳለወ ንቡሉጻት መንእሰያት ማለት Golden Boy 2019 ዝዋሃብ ሸልማት ምስቶም ብሉጻት ናይ 2019 ገይራ ን ኣለክሳንደር ሓጽያቶ።
እዚ ኣብዚ እዋን ምስ ስጳኛዊት ክለብ ረያል ሶሰይዳ ተሓቒፉ ዝጻወት ዘሎ ኣለክሳንደር ምስ ክለቡ ነበር ዊልያም ካልኣይ ኣብ ሓጺር ግዜ ብምስግጋር ብርኽት ዝበለ ሸቶታት ብምምዝጋብ እዩ ነዚ ናይ ሕጂ ሽልማት ተሓጽዩ ዘሎ። ነዚ ደረጃ ዝበጽሔ ናይ መጀመርያ ሽወደናዊ ኮይኑ ከምዘሎ መርበብ ሐበሬታ ሱድ ስቫኒስካ ትገልጽ።
ሽልማት ወርቃዊ መንእሰይ (Golden Boy) ብ ኢጣልያዊት መጋዘን ቱቶ ስፖርት ኣብ ዓመት 2003 ዝጀመረ ኮይኑ ንቡሉጻት መንእሰያት ኣብ መድረኽ ኤውሮጳ ዝወሃብ እዩ። ስጋብ ሕጂ ድማ ናይ ሎሚ ዓበይቲ ተጻወቲ ከም ሊዮነል መሲ፣ ዋይን ሩኒ፣ ፖግባ፣ ማርዪ ጎተዝ፣ ሰርጅዮ ኣውገሮን ሽልያን ምባፐ ዝኣመሰሉ ተጻወቲ ገላ ካብቶም ዕውታት እዮም።