ልዑል ጠለብ፡ ን ውሽጣዊ ምህርቲ ዓመተ 2022 ብ 4% ክውስኾ እዩ፡ እንተኾነ ግና ቊጠባዊ ኲነታት ኖርወይ ኣጠራጣሪ እዩ ክብል ኣህጒራዊ ማዕከን ገንዘብ ኣተሓሳሲቡ። ኣብ ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ጽልዋ ለበዳ ኮሮና፡ ከምኡ’ውን ሽግራት ቀረብቲ ኢንዱስትሪ፡ ኲሎም ኣብ ቊጠባ ኖርወይ ጽልዋ ከሕድሩ ይኽእሉ እዮም ክብል IMF ኣጠንቂቑ’ሎ። ሓደ ልኡኽ ምስ መንግስቲ ክዘራረብ ከም ዝጸንሐን ቊጠባ ኖርወይ ከም ዝተንተነን ዝገለጽት ኖርወይ ቱደይ፡ ንከም ልዑል ዕዳ ኣባይቲን ውልቃዊ ሸመታን ከም ረቛሒታት እዚ ቊጠባዊ ተርእዮ ኣቐሚጥዎም ኣሎ። ልዑል ጠለብ፡ ብፍላይ ድማ ብሕታዊ ሸመታ ኣብዚ ዓመት፡ ን ጃምላዊ ውሽጣዊ ፍርያት ብ 4% ምውሳኹ እዩ ዝግለጽ ዘሎ። “ኣህጒራዊ ማዕከን ገንዘብ ን ፖሊሲ ባጀት መንግስቲ ከም ዝሕግዝን ኣብ መጻኢ ዝህሉ ገንዘባዊ ፖሊስ ምትራር ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑን” ሚኒስትሪ ፋይናንስ ን ኣፈናዊ ጸብጻብ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ኣመልኪቱ’ሎ።