ኣብ ምምሕዳር ስቶክሆልም ዝርከባ ኣሃዱ ጥዕና ብሰንኪ ቅልውላው ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ምህላወን፡ ብዙሓት ሕሙማት ሰባት ውን ኣብ ትሕቲ ሆስፒታላት ኮይኖም ክንክን ይግበረሎም ኣሎ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ምምሕዳር ስቶክሆልም ጌና ኣብ መንጎ ቅልውላው ለበዳ ኮሮና እያ ዘላ ክትብል ሓላፊት ኣገልግሎት ጥዕና ምምሕዳር ስቶክሆልም፡ ኣና ስታርፕሪኒክ ገሊጻ።
ቅልውላው ለበዳ ቫይረስ ካብ ዝጅምር ምሉእ ዓቕሚ ኣሃዱ ጥዕና ንሕሙማት ኮቪድ-19 ከገልግል ጸኒሑ። ነቶም ኣብ ኣሰካፊ ጥዕናዊ ኩነታት ዘለዉ ሰባት ቀዳምነት ክትህብ ንቡር እዩ። ካልኦት ዓይነት ሕማማት ዘለዎም ሰባት ግን ኣብ ሆስፒታላት እኹል ኣገልግሎታት ክረኽቡ ዘይምጽነሖም ወይ ድማ እቶም ሕሙማት ብቫይረስ ከይልከፉ ፈሪሆም ናብ ሕክምና ክመጹ ዘይምኽኣሎም ዘተሓሳስብ ጉዳይ እዩ። ካብ ወርሒ መስከረም 2020 ጀሚሩ ግን ኣሃዱ ጥዕና፡ ከምቲ ልሙድ ንኹሎም ሕሙማት ኮቪድን ካልኦትን ኣገልግሎቱ ክህብ ክጅምር ምዃኑ ስታርፕሪኒክ ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ ዋዕላ ኣዘኻኺራ።
ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና፡ ብዝሒ ናይቶም ብወቕዒ ልብን ብወቕዒ ሓንጎልን ዝጥቅዑ ሰባት ቁጽሮም ክትሕት ተራእዩ። ኣብ ወርሒ ግንቦት ውን እቲ ቁጽሪ ትሑት ነይሩ። ብዝሒ ናይቶም ብሕማም ልቢ ዝጥቅዑ ሰባት ግን ክውስኽ ተራእዩ ኣሎ። ብዝሒ ናይ መጥባሕቲ ቆጸራታት ውን ኣብ ወርሒ መጋቢትን ሚያዝያን ቁጽሮም ትሑት ከምዝነበረ ይፍለጥ። እንተኾነ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ እቲ ቁጽሪ ክሳብ 54% ከምዝጎደለ መዝገባት ሓቢሮም።
ንጉዳይ እቶም ዓመታዊ መርመራታት ዘካይዱ ሰባት ብዝምልከት ግን ስክፍታና ዓቢ እዩ ትብል ስታርፕሪኒክ።