ብዝሒ ናይቶም ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ዝሞቱ ዘለዉን ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ዝርከቡን ሰባት እናጎደለ ኣብ ዝመጻሉ ዘሎ እዋን፡ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ጎደናታት፡ ገማግም ባሕሪን ናይ ቱሪዝም ቦታታትን ዝእከቡ ሰባት እናበዝሐ ይኸይድ ምህላዉ ሃገራዊ ስግኣት ይፈጥር ከምዘሎ ተፈሊጡ።
ኣብ እዋን ዕረፍቲ፡ ምስ ሓደስቲ ሰባት ዝምድናታት ክንምስርት ከምዘይብልናን ከምቲ ልሙድ ድማ ንመምርሒታት ኣሃዱ ጥዕና ተኸቲልና ክንቅጽል ይግበኣና ክብል ላዕለዋይ ሓላፊ ኣሃዱ ህዝባዊ ጥዕና፡ ዮሃን ካርልሰን፡ ገሊጹ ክብል SVT ኣቃሊሑ።
ኣብ ሽወደን፡ ቁጽሪ ግዳያት ቫይረስ ኮሮና ይጎድል ምህላዉ፡ ኣወንታዊ ተርእዩ እዮ ክብል ካርልሰን ወሲኹ ገሊጹ።
ኣብ ውሽጢ ሽወደን ዝፍጸሙ ዘለዉ ናይ መገሻ ጉዕዞታት እናበዝሑ ይኸዱ ምህላዎም እኹላት ጭብጥታት ኣለዉ። ኣብ ጎደናታትን ገማግም ባሕሪን ኦላንድ፡ ናይ ሰባት ምጭቕጫቕ ከምዘሎ ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ካልማር ሓቢሩ።
ብዙሓት በጻሕቲ ዝኸድወን ናእሽቱ ዓድታት ኣብ ዓቢ ሻቕሎት ከምዝርከባ ኣብ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ማሕበራዊ ውሕስነት ሓላፊት ኣሃዱ ቅልውላው፡ ዮሃን ሳንድቫል፡ ሓቢራ።
እዚ ተረኺቡ ዘሎ ኣወንታዊ ውጽኢት፡ ማሕበራዊ ምርሕሓቕ (social distancing) ስለ ዘዘውተርና ምዃኑ ፈሊጥና፡ ኣብ እዋን ዕረፍቲ ውን ንመምርሒታት ኣሃዱ ጥዕና ሸለል ከይበልና ነተግብሮም ክብል ዮሃን ካልሰን ተማሕጺኑ።