ሽወደናዊ ዓለምለኸ ኢንዱስትሪ ኣቕሑ ዕንጸይቲ IKEA ስደተኛታት ንምርዳእ ምስ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ብምትሕብባር ናይ ሓደ ቢልዮን ክሮና ንምእካብ ወፍሪ ጀሚሩ። እዚ ምስቲ ኣብ ጀኔቭ ስዊትዘርላንድ ዝካየድ ዋዕላ ስደተኛታት ብምዝማድ ዝካየድ ወፍሪ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ዋና ኣካያዲ ስራሕ IKEA ቢር ሂጊንስ ጒዳይ ስደተኛታት ንመንግስቲ ጥራይ ዝግደፍ ሓላፍነት ከም ዘይኰነ፥ ብሕታዊ ጽላት እውን ዓቕሙ ዝፈቐዶ ክሳተፈሉ ከም ዝግባእ ኣመልኪቱ።
ኢኪያ ኣብ ዝቕጽል ሓሙሽተ ዓመታት ስደተኛታት ርእሶም ዝኽእሉሉ ኣገባባት ንምሕጋዝ ሓደ ቢልዮን ክሮና ከበርክት ምዃኑ ድማ ቃል ኣትዩ’ሎ። “ዛንታ ስደተኛታት ክንቅይር ባህጊ ኣሎና፥ ኣብ ሽግር ጥራይ ኣተኲሮ ምግባር ገዲፍና እዞም ስደተኛታት ኣበርከትቲ ኣባል ማሕበረሰብ ክኾኑ ዘለዎም ተኽእሎ እንትነጥምት ዝሓሸ እዩ” ድማ ኢሉ። ኲለን ትካላት ጒጅለ ኢኪያ ኣብ 30 ሃገራት ንዝርከቡ ኣስታት 2500 ስደተኛታት ናይ ቋንቋ ስልጠና ብምሃብ ኣብ ኢኪያ ን ካልኦት ኲባንያታትን ዝሰርሑሉ ኣገባብ ብምፍጣርን ክሕግዛኦም ምዃነን እውን ኣመልኪቱ። እዚ ጒጅለ ንፕሮጀክቲታት UNHCR ገንዘባዊ ደገፍ ክገብር ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።