![british](https://www.harmonymedia.se/wp-content/uploads/2019/02/british.jpg)
Privat/Mally McLane
ብሪጣንያዊ ዜጋ ማሊ ማክሌን ብሪጣንያ ብዘይውዕል ካብ ኣባልነት ኣውሮጳዊ ሕብረት እንተስሒባ ንእኡን ካልኦት 28 ሽሕ ብሪጣንያውያን እንታይ ክገንፎም ከም ዝኽእል ካብ መንግስቲ ሽወደን ግልጺ መልእኽቲ ከም ዝጽበ ኣፍሊጡ።
ባይቶ ብሪጣንያ ናይ ምስሓብ ስምምዕ ከውጽእ በዚ ድማ ናይ ክልተ ዓመት ናይ መሰጋገሪ እዋን ክህሉ እዩ ዝብል ተስፋ ከም ዘለዎ መንግስቲ ሽወደን ገሊጹ’ሎ።
እንተኾነ ሽወደን ኣብ መጋቢት ህጹጽ ለውጢ ክህሉ እዩ፥ ወይ’ውን ብሪጣንያ ብዘይ ዝኾነ ውዕል ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ክትወጽእ ትኽእል እያ ብዝብል ምቅርራብ ትገብር ምህላዋ ይፍለጥ።
ማሊ ማክሌን ሓደ ካብቶም ኣብ ሽወደን ፌይስቡክ ብሪጣንያውያን ነበርቲ ሽወደን ዝብል ናይ ጒጅለ ዓምዲ ዘካይድ እዩ።
ኣብዝመጽእ ሳምንቲ ብዝውሰን ነገር ኣዝዩ ክጽሎ ከም ዝኽእል ክኣ ንሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ’ሎ።