ሰራዊት ትግራይ ንስትራተጂያዊ ኣገዳስነት ዘለዋ ከተማ ድሕሪ ምቊጽጻሩ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሃገራዊ እጹጽ እዋን ሓደጋ ምእዋጁ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ሰራዊት ትግራይ፡ ንከተማ ኣዲስ ኣበባ ንምቊጽጻር ሓሳብ ከም ዘለዎ ንጹር እዩ ክብሉ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝውነንይ መራኽቢ ብዙሃን ይገልጹ ኣለዉ። እዚ ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ኣዋጅ፡ ንሲቪላውያን ካብቲ ኣብ ዝተፈላለያ ክፋላት እታ ሃገር ኣስፋፊሑ ዘሎ ግብረሽበራዊ ተግባራት ህወሓት፡ ንምክልኻል ክሕግዝ እዩ ክብል መንግስታዊ ማዕከን ዜና ፋና ሓቢሩ።
ባይቶ እታ ሃገር፡ ነዚ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ሓደጋ፡ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ከጽድቖ ትጽቢት ከም ዘሎ ፋና ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ።
ዝሓለፈ ሰሉስ፡ ወኪል ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ሰራዊት ትግራይ ናብ ደቡብ ገጹ ብፍላይ ድማ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይግስግስ መጠንቀቕታ ከምዘመሓላለፈ ይዝከር። ሰራዊት ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ከበባ ከእቱ ወይ ናብታ ከተማ ክኣቱ ፈጺምና ኣይንቕበሎን ኢና” ክብል ጀፍሪ ፈልትማን ገሊጹ’ሎ።
ኣብዚ ሳልስቲ ኣብ ኢድ ቊጽጽር ሰራዊት ትግራይ ዝኣተወትን ኣብ ክልል ኣምሓራ እትርከብን ከተማ ኮምቦልቻ፡ መዓርፎ ነፈርቲ እትውንን ስትራተጂያዊ ኣገዳስነት ዘለዋ ከተማ ኮይና፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ 150 ማይል ንሰሜን ከም እትርከብ ይፍለጥ።
እዚ እናኾነ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ብሰንኪ እቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዝፈጸመቶ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፡ ካብ AGOA ንኽእግዳ መደብ ከምዘለዎ ክብል ንባይቶ እታ ሃገር፡ ምሕባሩ ተፈሊጡ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ እቲ ዜና ከም ዝሓዘኖ ብምግላጽ፡ ብሰንኪ እዚ ውሳነ ኣገዳሲ ቊጠባዊ ምዕባለ ክሰናኸልን ናብራ ቆልዑን ደቀንስትዮን ክዘናበልን ከም ዝኾነ ብምጥቃስ እዚ ዘይተመጣጠነ ስጒምቲ እዩ ክብል ኮኒንዎ’ሎ።
ብዘይካ ኢትዮጵያ፡ ማሊን ጊንን እውን ካብ ኣጎዋ ክእገዳ ከምዝኽእላ፡ እቲ ዜና ወሲኹ ኣመልኪቱ።