ን ሩስያን ቻይናን ብምስዓብ ኢራን ኣብ ኣፍጋኒስታን (ካቡል) ዝርከብ ኤምባሲኣ ከም ዘይትዓጹ ኣፍሊጣ’ላ። እቲ ኣኽራሪ እስላማዊ ምዃኑ ዝንገረሉ ጒጅለ ጣሊባን ንርእሰ ከተማ ኣፍጋኒስታን (ካቡል) ድሕሪ ምቊጽጻሩ ምዕራባውያን ሃገራት ኤምባሲታተን ካብታ ሃገር ከም ዘግዓዛ ዝፍለጥ እዩ።
ፕረሲደንት ኢራን ኢብራሂም ራኢሲ ነታ ደመኛ ጸላኢ ዝበላ ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ሓፊራን ተሳዒራን ምውጽኣ ከም ዘሐጐሶ ድሕሪ ምግላጽ ምውጻእ ኣመሪካ ካብቲ ቦታ ኣብቲ ዞባ ሰላምን ምርግጋእን ንኽሰፍን መንገዲ ዝጸርግ እዩ ክብል ገሊጹ’ሎ።
ኣብ መንጐ ሺዓ ጨንፈር እስልምና እትኽተል ኢራንን ሱኒ ጣሊባንን ምስሕሓብ እኳ እንተጸንሐ ካብ ቀረባ ግዜ ንደሓር ዝምድናኦም ክመሓየሽ ከም ዝጀመረን ኣብ መንጎ ኮሚተ ፖለቲካ ጣሊባንን ማእከላይ መንግስቲ ኣፍጋኒስታንን ኣብ ጤህራን ርክባት ተኻዪዶም ምንባሮም ዝዝከር እዩ።
ኣብ ከተማ ሔራት ዝርከብ ቆንስል ኢራን ክፉት ምህላዉን ስርሑ ከም ዝቕጽልን ሚኒስትሪ ጒዳያት እታ ሃገር ኣፍሊጡ’ሎ።