ቤት ፍርዲ ኢራን ን 10 ኣባላት ምክልኻል እታ ሃገር ፈሪዱ። እዞም ኣባላት ምክልኻል ኢራን፥ ኣብ 2020 ሓንቲ ናይ ተጓዓዝቲ
ነፋሪት ካብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ውጽእ ኢልካ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ወቒዖም ብምጥሓሎም እዮም ተኸሲሶም ጸኒሖም። ኢራን
ብጌጋ ንዝተወቕዐት ነፋሪት ገያሾ ኣመልኪታ ምሉእ ሓላፍነት ምውሳዳ ዝፍለጥ እዩ። ኣብታ ነፋሪት ኣብ ዝነበሩ 176 ገያሾ፥
እቶም 17 ዜጋታት ሽወደንን ፍቓድ መንበሪ ሽወደን ዝሓዘኡን እዮም ኔሮም። ኲሎም ተሳፈርቲ እታ ነፋሪት በቲ ሓደጋ ምጥሓል
ምሟቶም ዝዝከር እዩ።
ሓደ ካብዞም ኣዘዝቲ ሰራዊት ን 10 ዓመታት ማእሰርቲ ክፍረድ እንከሎ፡ እቶም ዝተረፉ ካብ 2 ክሳብ 3 ዓመት ማእሰርቲ
ተበዪኑሎም ኣሎ።