ስምምዕ መሰል ህጻናት፡ ንኹሎም ናብ ሽወደን ዝኣትዉ ህጻናት፡ መሰል መንበሪ ፍቓድ ንኽረኽቡ ዝውስን ኣይኮነን ክብል በዓል መዚ ኢሚግሬሽን ሽወደን ኣብ ኤሌክትሮኒካዊ መርበብ ሓበሬትኡ ኣብሪሁ።
እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ብዙሓት ሰባት፡ ነቲ ኣቐድም ኣቢሉ፡ ንጉዳይ ይግባያት ዝከታተል ቤት ፍርዲ ኢሚግሬሽን፡ ንስምምዕ መሰል ህጻናት ምርኩስ ብምግባር፡ ንሓደ ካብ ሽወደን ንኽወጽእ ተዳልዩ ዝነበረ ወዲ 14 ቆልዓ፡ ካብ ምብራር ኣድሒኑ፡ መንበሪ ፍቓድ ንኽወሃቡ ድሕሪ ምውሳኑ፡ ሕቶታት ከቕርቡ ስለዝጀመሩ እዩ።
እቲ ወዲ 14 ቆልዓ፡ ኣብ ሽወደን ተወሊዱ፡ ኣብኡ ዝዓበየን፡ የዕሩኽቱን መሓዙቱን ኣብ ሽወደን ዝመስረተ፡ ቋንቋ ሽወደን ዝመልኽን ካብ ሽወደን ወጻኢ ቤተ ሰብ ዘይብሉን ምዃኑ ርእዩ፡ ቤት ፍርዲ ኢሚግሬሽን፡ ነቲ ውሳኔ ከምዝወሰኖ፡ በዓል መዚ ኢሚግሬሽን፡ ኣብሪሁ።
እቲ ውሳኔ፡ ንስምምዕ መሰል ህጻናትን፡ ንመምርሒታት በዓል መዚ ኢሚግሬሽን ሽወደን ብምግንዛብ ከምዝተወስደ፡ በዓል መዚ ኢሚግሬሽን፡ ብምውሳኽ ገሊጹ።
ስምምዕ መሰል ህጻናት፡ ንኹሎም ናብ ሽወደን ዝኣተዉ ህጻናት፡ መንበሪ ፍቓድ ንኽረኽቡ መሰል ዝህብ ኣይኮነን። መሰል መንበሪ ፍቓድ ምርካብ፡ ምስቲ ንጉዳይ ወጻእተኛታት ዝምልከት ሕጊን መምርሒታት በዓል መዚ ኢምግሬሽንን ከምኡ ውን ካብ ካልኦት ህጻናት ዝተፈልየ ምኽንያት ዘለዎም ዝተሞርከሰ ምዃኑ፡ እቲ በዓል መዚ ገሊጹ።