ኖርወይ ዘዋሪ ፕረሲደንትነት “ቆንስል ኣርክቲክ” ዝሓለፈ ሓሙስ ካብ ሩስያ ተረኪባ። “ቆንስል ኣርክቲክ” ሸሞንተ ሃገራት
ዝኣባላቱ በይነ-መንግስታዊ ኣካል እዩ፡፡ እንተኾነ ግና፡ ብምኽንያት ቅሉዕ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን፥ ብዝተኸስተ
ምልሕላሕ ርክብ እዘን ሃገራት፥ እዚ ውድብ ኣብ ከባብያዊ ዕቀባ ዝጸንሖ ተገዳስነት ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ይኽእል እዩ ዝብል ሻቕላ
ፈጢሩ’ሎ።
ሾብዓተ ካብ ኣባላት እዚ ውድብ ሃገራት ምዕራብ ኮይነን፡ ዝያዳ ኣብ ዕቀባ ኣከባቢ ኣተኲሮ ከም ዝገብራ እዩ ዝግለጽ። ብፍላይ
ደቀባት ነበርቲ ዞባ ኣርክቲክ ድምጺ ክወሃቦም ከም ዝሰርሓ እየን ዝገልጻ። እንተኾነ ግና፥ ድሕሪ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩሬይን
እዘን ሃገራት ምዕራብ ኣብዚ ውድብ ዝጸንሐን ተሳትፎ ብምድስካል ወከልተን ክልእካ ዘይምዃነን ገሊጸን ኣለዋ። ሃገራት ካናዳ፡
ደንማርክ፡ ፊንላንድ፡ ኣይስላንድ፡ ኖርወይ፥ ሽወደን፥ ኣመሪካ ፡ ከምኡ’ውን እታ ዝዕበየት ኣርክቲካዊት ሃገር ሩስያ ኣባላት እዚ
በይነ መንግስታዊ ውድብ እየን።
ካብ ክሊማዊ ጒዳይ ኣትሒዝካ ክሳብ ምቊጽጻር ድቢ ዋልታ ዝኣመሰሉ ንሩስያ ዘሳትፉ ስራሓት ንግዜኡ ደው ኢሉ ምህላዉን፡
ተመራመርቲ ብሰንኪ እዚ ግርጭት ኣብ ሩስያዊ ዞባ ኣርክቲክ ናይ ምብጻሕ ስርሖም ከሳልጡ ከም ዘይከኣሉን እዩ ዝግለጽ ዘሎ።
ቆንስል ኣርክቲክ ሩስያ ምስ ኣመሪካ ኣብ ሓደ ጣውላ ካብ እትዝትየሎም ሒደት ዛዕባታት ምዃኑ ጋዜጣ ዘ-ኢንደፐንደት ወሲኻ
ጸብጺባ’ላ።