ኣብ ኖርወይ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ጥራሕ፡ ቁጽሪ ናይቶም ብቫይረስ ኦሚክሮን ዝተለኽፉ ሰባት፡ ብኣርባዕተ ዕጽፊ ወሲኹ” ክትብል ናይ ፎልክሄልስ ኢንስቲትዩት (Folkehelseinstituttet-FHI) ዋና ሓላፊት ካሚላ ስቶልቴንበሪ ሓቢራ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈት ሰሙን ካብ ዝነበረት ሰኑይ ጀሚሩ፡ ኣስታት 900 ዝኾኑ ብቫይረስ ኦሚክሮን ዝተለኽፉ ሰባት ተመዝጊቦም እኳ እንተነበሩ፡ ትማሊ ሰሉስ ግን፡ እቲ ቑጽሪ ናብ 3,871 ከምዝዓረገ ጸብጻባት ይሕብሩ።
“ሓደ’ኳ፡ ንምስፍሕፋሕ ቫይረስ ኦሚክሮን ምዕጋት ከምዝከኣል ዝኣምን ሰብ እንተዘየለ፡ ብዙሓት ሰባት ግና እቲ መልከፍቲ ክቕንስ ምግባር ይከኣል እዩ ዝብል እምነት ኣለዎም” ክትብል ስቶልቴንበሪ ውሲኻ ገሊጻ።
እቲ ብዓለም ደረጃ ዘስፋሕፍሕ ዘሎ ለበዳ ናይዚ ቫይረስ ካብዝጅምረሉ ግዜ፡ ኖርወይ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን እቲ ዝለዓለ ቁጽሪ ሕሙማት ኮቪድ-19 ከምዘተኣናገደት ተፈሊጡ’ሎ። እቲ ቑጽሪ ድማ እንዳወሰኸ ይመጽእ ኣሎ። 204 ዝኾና ናይ ከተማ ምሕደራታት ድማ እኹል ቁጽሪ ዘለዎ ናይ ሓለዋ ጥዕና ክኢላታት ኣብ ምርካብ ጸገም የጋጥሞም ከምዘሎ ተሓቢሩ።
ምስ እዚ ብዝተሓሓዝ፡ ብዙሕ ቁጽሪ ዘለዎ ሰብ ክትባት ይወስድ ከምዘሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ። ኣቐድም ኣቢላ ምስ NRK ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት፡ ኣብዝሓለፈ ሰሙን መዓልታዊ ካብ 1000 ክሳብ 2000 ዝኸውን ሰብ እቲ 1ይ ዙር ክትባት ከምዝወሰደ ስቶልቴንሪ ሓቢራ። ኖርወይ ኣብ ዝመጽእ ሳምንታት፡ ክሳብ 700,000 ዝኸውን ተወሳኺ ክትባት ናይ ምብጻሕ መደብ ከምዘለዋ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።
ከም ጸብጻብ VG እንተድኣኾይኑ፡ ክንድዚ ዝኣክል ቁጽሪ ዘለዎ ህዝቢ ንምኽታብ 17 ናይ ከተማ ምሕደራታት ካብ ምክልኻል ሓይልታት ሽወደን ተወሳኺ ሓገዝ ከም ዝጠለባ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።