ኣብ ደቡባዊ ኖርወይ ዝርከባ ዩኒቨርሲታት፡ ክሳብ ናይ 200 ሚልዮን ክሮና ኖርወይ ተወሳኪ ወጻኢ ጸዓት ኤለትሪክ ምግባሮም ተፈሊጡ።
“በዚ ኣገባብ ምቕጻል ዝከኣል ኣይኮነን” ክብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ በርገን፡ ዳይረክተር ፋይናንስ ስቲነር ሱንድበርግ ኣተሓሳሲቡ’ሎ።
“እዚ ተፈጡሩ ዘሎ ናብ ዕብዳን ገጹ ዝጽጋዕ ወሰኽ ዋጋ፡ ኲሉ ይርእዮ’ሎ። እዚ ገንዘብ ኣብ ክንዲ ኣብ ጸዓት፡ ኣብ ካልእ መዓላታት ክፈስስ ምኸኣለ ኔሩ” ክብል ሱድበርግ ን ኾርኖ ገሊጹ’ሎ።
“ኣብ ቀዳማይ ኣጋጣሚ፡ ንተመሃሮን ስታፍን ምውዛፍ ፕሮጀክቲታት ክህሉ እዩ፡ በዚ ድማ ስእነት መሳለጥያን ቦታን ክኽሰት ይኽእል እዩ” ኢሉ’ሎ።
ዩኒቨርሲቲ ኦስሎ፡ ኣዚ ዓመት ካብ ዘተዋህቦ ባጀት ተወሳኺ 60 ሚልዮን ክሮና ወጻኢ ክገብር ከም ዝኽእል፡ ትንበያታት ተቐሚጦም ኣለዉ።