ኣብ ካልኣይ ርብዒ ዓመት 2022 መፍረ ጸዓት ኤለትሪክ ኖርወይ ምስ ናይ ዓሚ እንክወዳደር ብ 7% ከም ዝትሕት ተገሊጹ። ምኽንያት እዚ ምንቊልቋል መፍረ ጸዓት ትሑት ዕቋር ማይ ምዃኑ መርበብ ሓበሬታ ኖርወይ ቱደይ ሓቢራ።
ኣብ ካልኣይ ርብዒ ዓመት 202 ምፍራይ ጸዓት 33.4 ኪ/ዋ ምንባሩ ስታቲስቲክስ ኖርወይ ሓቢሩ’ሎ። ኣብ ኖርወይ መፍረ ጸዓት ንፋስ ብናህሪ ምውሳኹ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ እቲ ዝበዝሐ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል ግና ጸዓት ማይ ምዃኑ እቲ ስታቲስቲክስ ወሲኹ ኣመልኪቱ።
ኣብ ካልኣይ ርብዒ ዓመት 2022 መጠን ፍርያት ማያዊ ጸዓት ኤለትሪክ ካብ ጠቕላላ 90.3% ክኸውን እንከሎ ናይ ሙቐትን ንፋስን ጸዓት ከኣ ብጠቕላላ 9.7% እዩ–ብመሰረት እቲ ስታቲስቲክስ።