ሃገረ ዓዲ እንግሊዝ፡ ኣቦ ወንበር ናይ ሃገራት G7 ብምዃና፡ ንጉዳይ ሓድሽ ጅር ኦሚክሮን ንምዝታይ ሎሚ ሰኑይ፡ ብደረጃ ሚኒስተራት ጥዕና እተን ሃገራት፡ ኣኼባ ንምክያድ ጸዊዓ ከምዘላ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ሃገረ ዓዲ እንግሊዝ፡ ጀርመን፡ ጣልያንን ሆላንድን፡ ብሓድሽ ጅር ኦሚክሮን ዝተለኽፉ ሰባት ከምዝተራእዩወን ገሊጸን።
ሃገራት G7 ዝበሃላ፡ ናይ ዓለምና ዝዓበየ ቁጠባ ዘለወን ሃገራት ኮይነን፡ ንፈረንሳ፡ ጣልያን፡ ጃፓን፡ ካናዳ፡ ዓዲ እንግሊዝ፡ ጀርመንን ኣሜሪካን ዝሓቖፈ እዩ።