ሎሚ ሰሉስ ንጉስ ካርል ጉስታፍ XVI ሎሚ ሰሉስ 10 መስከረም ኩሎም ኣባላት ንጉሳዊ ቤተሰብን 349 ኣባላት ፓርላማ ሽወደን ኣብ ዝተርኽብሉ ብወግዒ ክኸፍቶ እዩ። እዚ ማለት ኣብ መኽፈቲ ሓዱሽ ኣኼባ ፓርላመንት ንጉስ ብ ኣካል ተርኺቡ ሰነ ስርዓት መኽፈቲ ክገብር ካብ ቅድም ዝጸንሔ ወግዓዊ ልምድታት ሽወደን እዩ።
ጉባኤ ፓርላመንት ሽወደን ሎሚ ስዓት ክልተ ዝጅምር ኮይኑ ኣብዚ መኽፈቲ ስነ ስርዓት ፍሉጣጥ ስነ ጥበብባውያን ከም ኣና ላልኮን ዝረከባሉን ድሕሪ ሓጺር መክፈቲ ዘረባ ኣፈ ጉባኤ ኣንድሪስ ኖርሊን ልኽዕ ሰዓት 14:00 ብ ቀጣታ ንጉስ ካርል ጉስታፍ XVI ብመደረ ክኽፈት እይ።
ብድሕሪ ስነ ስርዓት ምኽፋት ቀዳማይ ሚኒስተር ስቴፈን ሎቨን ኣብዚ ዝመጽእ ዓመት ፕሮግራማት ንሱ ዝመርሖ መንግስቲ ኣብ ውሽጣውን ወጻእን ጉዳያት ን ፓርላመንት ከቕርብ ምኻኑን ካልእ ተወሳኺ እውን ምቅይያራት ናይ ክለተ ቦታ ሚንስርነት ማለት ናይ ምትካእ ወጻኢ ሚንስተርን ኣና ሊንደይን ምስያም ሚንስተር ዕዮ ሰርሕተኛ ኢቫ ዮሃንሰን ከም ወኪል ሽወደን ኣብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ን ኣብላት ርላመን ሽወደን ከቕርብ እዩ።
ኣብ መስከረም 18 ድማ መንግስቲ ንድፊ ዓመታዊ ባጀት ናብ ፓራላማ ብምቕራብ፡ ኣባላት ፓርላማ ስጋብ መወዳእታ እዚ ቀውዒ ብደቂቕ ብምኽታዕ ንምጽዳቑ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ብዝውሃብ ድምጺ ክጽደቅ ምኻኑ ተሓቢሩ።