ኣብ ኖርወይ ዝቕመጡ ውሱናት ጉጅለታት፡ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንኽረኽቡ ዘድልዮም ቅጥዒ፡ ኣብ ኖርወይ ሓሙሽተ ዓመታት ክቕመጡ ከምዝግባእ ስቶርቲንግ ብወግዒ ወሲኑ።
እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ቅጥዒ ከማልኡ ዝግበኦም ጉጅለታት፡ እዞም ዝስዕቡ እዮም፡
- ብምኽንያት ዑቕባ፡ መንበሪ ፍቓድ ዝተዋህቦም
- ብምኽንያት ብርቱዕ ሰብኣዊ ጉዳያት ኣብ ሃገር ክጸንሑ ዝተፈቕደሎም
- ምስዞም ክልተ ጉጅለታት ናይ ስድራቤት ጉዳይ ኢሚግሬሽን ዘለዎም
እዞም ዝተገብሩ ለውጢታት ካብ 1 ታሕሳስ 2020 ጀሚሮም ኣብ ግብሪ ዝወዓሉ እዮም።
ቅድሚ 1 ታሕሳስ 2020 ኣብ ኖርወይ ንሰለስተ ዓመታት እንድሕር ብግዜያዊ ፍቓድ ክትቅመጥ ጸኒሕካ እዞም ለውጢታት ኣይምልከቱኻን እዮም። ከምዚ ዝበለ ፍቓድ እንተጸኒሑካ ቅድሚ 1 ለካቲት 2021 ኣብ ዘሎ እዋን ሕቶ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድካ ክተቕርብ ይግባእ።
ቅድሚ 1 ታሕሳስ 2020፡ ናይ ሰለስተ ዓመት መንበሪ ፍቓድ ቅጥዕታት እንተድኣ መሊእካ ጸኒሕካ፡ ፍቓድ ቀዋሚ መንበሪኻ ቅድሚ ዕለት 24 ጥሪ 2021 ኣብ ሳንዱቕ ሕቶ ምዝጉብ ኮይኑ ነታ ዝጸንሐት መዓልቲ ቈጸራ ብምሓዝ (ዋላ ውን ቈጸራኻ ድሕሪ ባሕቲ ለካቲት ይኹን) ምስ ፖሊስ ብዛዕባ ጉዳይካ ክትዘራረብ ትኽእል ኢኻ።
ኣብ ገለ ዞባታት ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ፡ ብዛዕባ ቀዋሚ መንበሪ ክትዛተ ቈጸራ ባዕልኻ ክትሕዝ ስለዘይፍቀድ፡ ካብ ፖሊስ ዝመጽኣካ መልእኽቲ ክትጽበን ነቲ ዝመጻካ ሰነድ ብዲጂታላዊ ኣገባብ ክትመልኦ ይግባእ። ሽዑ ውን እንተኾነ፡ እቲ ሕቶ እተቕርበሉ መዓልቲ ዋላውን፡ ፖሊስ ድሕሪ 1 ለካቲት 2021 እንተረኸቡኻ፡ ብኦንላይን ቅድሚ 24 ጥሪ 2021 ከተመዝግቦ ከምትኽእል ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።
ኣብ 1 ታሕሳስ 2020፡ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ከሕትተካ ዝኽእል ግዝያዊ መንበሪ ሃልዩካ፡ እሞ ከኣ ካብ ኖርወይ ወጻኢ ን 3 ዓመታት እንተተቐሚጥካ፡ ካብዞም ጉጅለታት እንተድኣ ኮንካ፡ እዚ ቅጥዒ ከምዝምልከተካ ፍለጥ።
ካብዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ወጻኢ ዝኾኑ ኩሎም፡ እቲ ናይ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ መሕተቲ ቅጥዒ ናይ ሰለስተ ዓመታት መንበሪ ፍቓድ ዝልከቶም እዩ። እቲ ኣብ ኖርዌይ ሓሙሽተ ዓመት ምቕማጥ ከም ረቛሒ ዝተደንገገ፡ ነዞም ዝስዕቡ ኣይምልከትን እዩ። ብስራሕ ንዝመጹን ወይ ድማ ምስቶም ብስራሕ ዝመጹ ናይ ስድራቤት ምትእኽኻብ ዝሓቱን ወይ ድማ ምስ ኖርወጃውያን ወይ ናይ ኖርዲክ ዜጋታት ናይ ምጥርናፍ ስድራቤት ሕቶ ዘቕረቡን እዮም።