ሓደ ኣብ ሞስኮ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ን8 ኣባላት ናይ ሓደ ጸይቀ-ዕሉላት ዝርከቡዎ ሬቪል ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጉጅለ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘውዓሎም ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቶም ሰባት ክሳብ መፋርቕ ወርሒ የካቲት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሑ ኮይኖም፡ ድሕሪኡ ገበነኛታት ኮይኖም እንድሕር ተረኺቢም ክሳብ ን7 ዓመታት ዝበጽሕ ማእሰርቲ ከም ዝጽበዮም ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።
FSB ተባሂሉ ዝፍለጥ ሓደ ናይ ሩስያ ናይ ጸጥታ ትካል፡ ብዓርቢ ከምዘፍለጦ፡ ነቲ ጉጅለ “ካብ ዘይሕጋዊ ንጥፈታቱ ደው ከምዘበሎን” ኮምኡ’ውን ካብ መንግስቲ ኣሜሪካ ድሕሪ ዝበጽሖ ለበዋ ስዒቡ ሙሉእ ብሙሉእ ክፈርስ ከምዝገበሮን ተፈሊጡ’ሎ። ከም ጸብጻብ FSB እንተኾይኑ፡ ምስ ናይ ቁጠባ ወንጀላት ብዝተተሓሓዘ 14 ሰባት ኣብትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተው ተፈሊጡ’ሎ።
እብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሓምለ ዕለት 2 እዚ ሬቪል ዝባሃል ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ሓደ ካሰያ ተባሂሉ ዝፍለጥ ን10’ተታት ኣሽሓት ዓማዊሉ pos systems ዘቕርብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ ዝኾነ ናይ ሶፍትዌር ትካል ብምፍርራሕ ገንዘብ ናይ ምውሳድ ወንጀል ከምዝፈጸመ ዝዝከር’ዩ።
ካብዞም ናይዚ ኩባንያ ዓማዊሉ ሓደ እቲ ገዚፍ ዝኾነ ናይ ሽወደን ‘ኩፕ’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ ናይ መግቢታት መሸጣ ዝሰርሕ ትካል ኮይኑ፡ እቶም ሃከራት ነቲ ዲጂታላዊ ኣሰራርሓ ናይቲ ሲስተም ብምዕጋት፡ ገንዘብ ንክኽፈሎም ከምዘፈራርሑ ተፈሊጡ። እዚ ብምዃኑ ድማ መብዛሕትኦም እቶም ልዕሊ 800 ዝኾኑ ናይ ኩፕ ቅርንጫፋት እቲ ሲስተሞም ብኻሊእ መንገዲ ኣቢሉ ክሰርሕ ክሳብ ዝግበር ንነዊሕ እዋን ተዓጽዮም ክጸንሑ ከምዝተገደዱ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።