ኣብ ህይወትና ብዙሓት ነገራት ከም ምርጫ ወሲድና ከነተግብሮም ንረአ ኢና። ነቲ ምርጫ ምውሳድናን ዘይምውሳድናን ከኣ፡ ብመጠን’ቲ ድሒሩ ዘስዕቦ ሳዕቤን እዩ ዝዕቀን። እቶም ብዘይ ምትግባርና ክቦኽሩና ወይ ክጎድሉናን ክጎድኡናን ዝኽእሉ ነገራት ከኣ ናይ ግድን ክንወስዶም ዝግባኣና ኣማራጺታት ይኾኑ። ሓደ ካብኦም ከኣ ምንባብ እዩ።
ንባብ መግቢ ናይ ኣእምሮ እዩ ይበሃል እንተሎ፡ ንኹሉ ሰብ ብማዕረ ከም ዝምልከቶን ከም ዘርብሖን እዩ ዝሕብረና። ኣብዛ ዓለም ብፍላይ ድማ ኣብዚ ብቴክኖሎጂ ሓበሬታ ከም ሓረግ ተጠናኒጋትሉ ዘላ እዋን፡ ብዝሒ መጻሕፍቲ ከነንብብ፡ ፍልጠትን ሓበሬታን ክንድልብን ግድን እዩ። ሰብ ብመጠን’ቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደቒቕ ዝረኽቦ ሓበሬታን ተመኲሮ ፍልጠትን ስለዝኾነ ዕቤቱ ዝረጋገጽ።
ብርግጽ፡ ስነ-ጥበባዊ ሕብርታት ኣሳእል፡ ንትሕዝቶታት ዓለም ብቐሊሉ ከርእዩና ዝኽእሉ መሳኹቲ ክኾኑ ዝኽእሉ’ኳ እንተኾኑ፡ መጻሕፍቲ ግና፡ ነቲ ሽሻዩ ካብ መሶቡ ክንቋደስ ቊሩባት ምስ እንኸውን፡ ካብቲ ውሻጠ ውሽጥና ኣውጺኦም፡ ናብቲ ኬድካ ዘይውዳእን ሓምቢስካ ዘይውጻእን ባሕሪ ፍልጠትን ተመኲሮን ዘብቅዑና ብሉጻት ህያባት እዮም።
ንባብ፡ ከምቲ ኣቐዲምና ዝገለጽናዮ፡ ጥቕምታቱን ጉድኣታቱን ንኹሉ ሰብ ብማዕረ ዝጸልዎ’ኳ እንተኾነ፡ ልክዕ ከም ካልኦት ነገራት፡ ብሰንኪ ባህሪ፡ ትሕዝቶን ደረጃን ናይቲ ሰብ፡ ንሓደ ሰብ ዝያዳ ካልእ ዘገድሰሉ እዋን ኣሎ። እዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ከኣ፡ ብፍላይ ንደቀንስትዮ፡ ገለ ካብቶም ዘርዚርካ ዘይውድኡ ብዙሕ ጥቕምታት ዝህቡን፡ ኣብ ህይወት ደቀንስትዮ ዝፈጥርዎም ብሉጻት ዕድላትን መኽሰባትን እዮም።
ምንባብ፡ ብፍላይ ንዓና ንደቀንስትዮ፡ ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወትናን ምንቅስቓሳትናን፡ ብልሕን ትኲርነትን’ዩ ዝፈጥረልና። ኣብ መዓልታዊ ህይወትና፡ ንንባብ ዝኸውን ግዜ ፈሊና ምንባብ ምስ እነዘውትር፡ ዝለዓለ ውጽኢት ትምህርቲ፡ ዝለዓለ ንቕሓትን ምስትውዓልን ከምኡ’ውን ሰፊሕ ሓፈሻዊ ፍልጠት ከም እንዓጥቕ ይገብር። ምስ ግዜ ድማ ህይወትና እናተሳሕለት ትዓቢ። ምኽንያቱ ናብ ዝደለናዮ ክንከይድን ዝደለናዮ ክንከውንን፡ ብዘይ ፍልጠትን ሓበሬታን ፍጹም ዝከኣል ስለዘይኮነ።
ምንባብ ንወጥርን ነውጽን የፋኹስ እዩ። መጽሓፍ ከነንብብ እንከለና፡ ኣእምሮና ማርሻታቱ’ዩ ዝቐያይር። መዓልትና ብወጥርን ጭንቀትን ተደፊኣ እንተደኣ ውዒላ፡ ምንባብ መጻሕፍቲ፡ ነቶም ጾራት ብቐሊሉ ከራግፉልና ይኽእሉ እዮም። ብፍላይ ድማ ልብ-ወለዳውያን ወይ ኣዛነይቲ መጻሕፍቲ። ቅድሚ ምድቃስና ናይ ምንባብ ልምዲ ምሓዝ ድማ፡ ወትሩ ልዋም ለይቲ ከም እነሓድር ይገብር።
ንባብ፡ ብፍላይ ንዓና ንደቀንስትዮ፡ ብሰንኪ’ቲ ዘለና ባህሪ ስራሕን ብእኦም ዝፍጠሩ ነውጽታትን፡ ናብ ዝያዳ ህድኣትን ጸጥታን’ዩ ዝመርሓና። ምስ ግዜ፡ ንሰብ ካብ መጽሓፍ ንላዕሊ ዘህደኦን ዝሕዞን ከምዘየለ እናተነጸረ ይመጽእ ኣሎ። ኣብዛ ጒያ ጒያ ዝበዝሓ ዘመናዊት ዓለምና፡ ህይወትና ካብ ናይ ካልእ ግዜ ንላዕሊ ሸበድበድ፡ ሸቐልቀልን ምንቅስቓሳትን ዝበዝሓ ኮይና ኢና እንረኽባ።
መጽሓፍ ግን ክንዲ ዝሃለወ ሓይሊ ይሃልወና፡ ናብ ህድኣትን ጸጥታን እዩ ዘምርሓና። በቲ ካብ ንባብ እንረኽቦ ምኽርን ሓበሬታን ጥራይ ዘይኮነስ፡ እቲ ንንባብ እንገብሮ ዲሲፕሊን’ውን እዩ። ወትሩ ናይ ምንባብ ግዜ ምስ ምህላው’ምበኣር፡ ህይወትና ክትረኽቦ እትኽእል ህድኣትን ጸጥታን ንምግማቱ ዘሸግር ኣይከውንን።
ምንባብ ዝተማሓየሸ ትንታነኣዊ ኣተሓሳስባ ከነማዕብል ይሕግዘና። ኣብ ካኒንጋሃም ዩኒቨርሲቲ ዝተገብረ ሓድሽ መጽናዕቲ ከምዘነጽሮ፡ ትንታነኣዊ ኣተሓሳስባ፡ ብምንባብ ዝመጽእ ምዃኑ እዩ። ኣንበብቲ ሓፈሻዊ ፍልጠቶም ብምስፋሕ፡ ንነገራትን ሽግራትን ብቕልጡፍ ከለልዩዎም ይኽእሉ። ንሽግራትን መንቅባትን ብቕልጡፍ ምልላይ ከኣ፡ ንትንታነኣዊ ክእለትና’ዩ ዘመሓይሾን ዘማዕብሎን።
ብተወሳኺ ንባብ፡ ንዝኽረትና ኣዝዩ እዩ ዘመሓይሾን ዘማዕብሎን። ንነገራት ብቐሊሉ ክንዝክር ዘይንኽእል ብዙሓት ሰባት ኣለና። እቲ ቁጽርታት ተሌፎንን ኣድራሻታትን ገዲፍና፡ ሎሚ ንግሆ እንታይ ቆሪሶም ፍጹም ምዝካሩ ዝሕርብቶም’ውን ውሑዳት ኣይኮኑን። ምንባብ ኣጽዒቕና ምስ እነዘውትር ከኣ፡ እቲ ዝቐለለ ፈውሲ’ዚ ጸገም ይኸውን።
እቲ ዝበለጸ ንባብ፡ ቀዳምነታትና ክንሰርዕ’ዩ ዘብቅዓና። ኵልና እንታይ ንደልን ከመይ ክንከውን ከም ዝግብኣናን ንፈልጥ ኢና። ምንባብ ከኣ፡ እቲ ብዛዕባና ዘይንፈልጦ ነገራት ከም እንፈልጥ’ዩ ዝገብረና። ኣብ ኣእምሮና ንዘሎ ፍልጠትናን ተመኲሮን ኣጉሊሑ ከኣ፡ ቀዳምነታትና ከም እንሰርዕ ይገብር።
ንኣብነት ሙዚቃ ምጽዋት ስለ እንፈቱ ወትሩ ሙዚቃ ክንሃርም እንደሊ ክንከውን ንኽእል ኢና። መጽሓፍ ምንባብ ግን ብኸመይ ደርፊ ክንሰርሕ ንኽእል ሓበሬታ ክህበና’ዩ ዝኽእል። ንስራሕና ኣቋሪጽና ንቚሩብ ካብኡ ምኽዋል’ምበኣር፡ ብፍላይ ነቲ ግዜ ብመጽሓፍ ምንባብ እንተደኣ ተኪእናዮ፡ እንታይ ኢና ክንገብር ንደሊ ኣፍሊጡ’ዩ ቀዳምነታት ከም እንሰርዕ ዝገብረና።