ሓተትቲ ዕቚባ ኣብ ዝመረጽዎ ቦታ ክቕመጡ ዝኽልክል ሕጊ EBO (ኣድራሻ ሂብካ ምውጻእ ዝምልከት) ካብ ረቡዕ ባሕቲ ጥሪ 2020 ጀሚሩ ክቕየር እዩ ተባሂሉ። እዞም ሕግታት ካብ ሓምለ ጀሚሮም ኣብ ትግባረ ዝውዕሉ ኮይኖም ሓተትቲ ዕቚባ ኣብ ተኣፈፍቲ ቦታታት ክሰፍሩ እንተመሪጾም ናይ መቚነን መሰላቶም ክስእኑ ሙኻኖም ተሓቢሩ። ኣብ ሶደርታልየ እዚ ምልዋጥ ሕጊ ብመሰረት ፖሊስ ሓደገኛታት ተባሂሎም ኣብ እተለለዩ ቦታትት ንዝሰፈሩ ሓተትቲ ዕቚባ ብኣዎንታ ዝጸሉ እዩ ተባሂሉ’ሎ።
እዞም ቦታታት Ronna፣ Lina፣ Geneta። Hovsjö ፣ Fornhöjden ኮይኖም ሓደገኛታት እዮም ተባሂሎም ብፖሊስ ተረቚሖም ኣለዉ። እዚ ሕጊ ንምግላል ምኽንያት ንዝኾነ ኣገባብ ዝኣሊ ብምዃኑ ብፖከቲከኛታት ተቐባልነት እኳ እንተረኸበ ገለ ሻቕላ ከም ዘለዎም ተገሊጹ። ንዝያዳ ሓበሬታ ኣቦመንበር ከባብያዊ ቆንስል ቦኤል ጎድነር ብዛዕባ ኣዎንታዊ ጽልዋን ሓደጋታትን እዚ ሕጊ ኣመልኪታ ዝሃበቶ ሰፊሕ መብርሂ ተመልከት።