ኔቶ ን ዩክሬይን ናይ ነፈርቲ ኲናትን ኣጽዋርን ሓገዝ ክገብረሉ ንነዊሕ ክጽበ ምጽንሑ ፕረሲደንት ዩክሬይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ገሊጹ።
“ነታ ኣብ ትሕቲ ከበባ ኣትያ ዘላ ወደባዊት ከተማ ማርዩፑል ብዘይ ተወሳኺ ታንክታትን ሓገዝ ነፈርቲ ኲናትን ምድሓን ዝከኣል ኣይኮነን” ክብል ኣመልኪቱ’ሎ።
“መሸም ዩክሬይን ን ነፈርቲ ኲናት ሩስያ ብ ሮኬታትን ጠበናጁን ከትወርድ ኣይትኽእልን እያ’ ክብል ዘለንስኪ ብሰንበት ምሸት ኣብ ዝሃቦ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ኣተሓሳሲቡ’ሎ።.
ዩክሬይን ንመኸተ ዘድልያ ሓገዝ ኣጽዋር ንኽመጻ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ክትጽበ ምጽንሓ ዝገለጸ ዘለንስኪ ኣመሪካን ኣውሮጳን ን ዩክሬይን ናይ ነፈርቲ ኲናት፡ ታንክታት ከምኡውን ስርዓተ ምክልኻል ሚሳይል ክልግሳላን ምሕታቱ ዘ ጋርድያን ጸብጺቡ’ሎ።.
“እዚ ኲናት ናይ ዩክሬይን ጥራይ ኣይኮነን፡ መላእ ኣውሮጳ ንምሕራር ዝካየድ ዘሎ ኲናት እዩ” ኢሉ’ሎ ዘለንስኪ።