ዓሚ ባሕቲ ሓምለ ዝተኣታተወ ኣብ ከባቢ ህዝባዊ ቦታታት ምትካኽ ሽጋራ ዝእግድ ሕጊ ብ 79% ደገፍ ምርካቡ ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ዘካየዶ ሓድሽ ዳህሳስ ኣመልኪቱ። ብዘይካዚ 90% ካብቶም ብዛዕባዚ ጒዳይ ዝተሓተቱ ሰባት ብዛዕባ እቲ ሕጊ ከም ዝፈልጡ ገሊጾም ኣለዉ። “ብዛዕባ እገዳ ምትካኽ ዘሎ ኣፍልጦ እናዓበየ እዩ ዝመጽእ ዘሎ። እንተኾነ ግና ኣበየናይ ብዛዕባ ዝብል ገለ ምጥርጣራት ምህላዉ ተሓተትቲ ኣመልኪቶም ኣለዉ ክብል ሓላፊት እቲ ኣሃዱ ዮሰፊን ጆንሰን ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢራ። እዚ ሓድሽ ሕጊ ንሺሻን ኤለትሮኒካዊ ሽጋራን ከም ዝምልከት እኹል ኣፍልጦ ዘይምህላውን እዞም ሕጊታት ብምልኣት ኣብ ምስዓብ ጸገም ምህላዉን ኣብቲ መግለጺ ተሓቢሩ። “ብዛዕባዚ ጒዳይ ዝያዳ ሓበሬታ ከም ዘድልን በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ምትካኽ ሃሳዪ ሙዃኑ ንምግንዛብ ሓደ ሃገራዊ ናይ ምርድዳእ ተበግሶ ንምጥያስ ይዳሎ ምህላዉ ገሊጹ’ሎ። ኣብዚ ዳህሳስ 1100 ሰባት ምስታፎምን እዚ ዳህሳስ ቅድሚ ምጅማር ሓድሽ ዓመት ምውድኡን ኣብቲ ጋዜጣዊ ዋዕላ በሪሁ።