ናይጀርያ፡ ኣብ ልዕሊ ማሕበራዊ ሜድያ፡ ትዊተር፡ ጽዒናቶ ዝጸንሐት እገዳ ድሕሪ ሸውዓተ ኣዋርሕ ሎሚ ኣልዒላቶ።
ኣብ ወርሓ ሰነ ናይ ዝሓለፈ ዓመት፡ ፕረዚደንት ናይጀርያ፡ መሓመድ ቡሃሪ፡ ንተገንጸልቲ ዝበሎም ሓይልታት እታ ሃገር ኣመልኪቱ ዝለጠፎ ጽሑፍ፡ ብትዊተር ድሕሪ ምድምሳሱ፡ መንግስቲ ናይጀርያ፡ ከም ግብረ መልሲ ነቲ መርበብ ማሕበራዊ ሜድያ፡ ኣጊድዎ ምጽንሑ ዝዝከር እዩ።
መንግስቲ ናይጀርያ፡ ንትዊተር ምስ ተገንጸልቲ ሓይልታት ይውግን እዩ ክብል ከሲስዎ ምንባሩ ቢቢሲ ወሲኹ ይሕብር። እንተኾነ ግና፡ ኣብ መንጎ መንግስቲን እቲ ትካልን ድሕሪ ዝተገብረ ምርድዳእ፡ ኣብ ናይጀርያ፡ እቲ ማሕበራዊ ሚድያ ክፍኖ ተጌሩ’ሎ።
ትዊተር ምስ መንግስቲ ብዛዕባ ምስምምዑ ዝበሎ ዝኾነ ነገር እኳ እንተዘየለ ካብ ኣገዳ ምፍናው ከም ዘሐጐሶ ግና ገሊጹ’ሎ። ኣብ ናይጀርያ ድሕሪ ምዕጻው ትዊተር እውን ሰባት ብ መንገዲ ቨርቹዋል ፕራይቨት ኔትዎርክ (VPN) ኣቢሎም ብሕጓ ናብ ገጻት ትዊተር ይኣትዉ ምንባሮም ካብታ ሃገር ዝወጹ ጸብጻባት የመልክቱ።
በዚ ድማ ኣብታ ብብዝሒ ህዝቢ ኣብ ኣፍሪቃ ብቐዳማይ ደረጃ እትስራዕ ሃገር ሰባት ነዚ ማሕበራዊ መራኸቢ ክጥቀሙ ክኢሎም ኣለዉ።