ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ዝተወደበ ዕዳጋታት ሓራጅ፡ ልዕሊ ዕጽፊ ቁጽሪ ሸየጥቲ ቦታ ክሕዛኣሎም ምምልካቶም ተገሊጹ። ማርያ ቪበሪ
መስራቲትን ዳይረክተርን “ስቶክሆልም ስማርክናራ” ዝተባህለ ኣብ ከባቢ ስቶክሆልም ዓበይቲ ዕዳጋታት ሓራጅ ዝውድብ ኩባንያ
እያ። ኣብዚ ዓመት፥ ተገዳስነት እዞም ዕዳጋታት ብናህሪ ምውሳኹን ብሰባት ምዕልቕላቚን ቪበሪ ትዛረብ። ምድኻም ባጤራ
ክሮናን ክብሪ ዋጋታት ኣቕሑን፡ ሰባት ንዕዳጋታት ሓራጅ ከም ዝሓሰረ ኣማራጺ ከም ዝርእይዎም ይገብሮም ኣሎ። ኣብቲ ዕዳጋ
እተረኽቡ ሰባት ኣቕሑ ዝሓሰሩ ብምዃኖም ብሓደ ወገን፥ ንባዕሉ ናብቲ ዕዳጋ ምብጻሕ’ውን ዘሀድስ ኣጋጥሚ ምዃኑ ን ሬድዮ
ሸወደን ገሊጾም። ኣብ ሽወደን ዕዳጋታት ሓራጅ ምብጻሕ እናተለምደ ምምጽኦም፥ ቪበሪ ወሲኽ ገሊጻ’ላ። ኣብ ሽወደን ዘይተወደቡ
ከይጸብጸብካ ፡ ኣስታት 1350 እንዳ ሓራጅን ዘገልገሉ ኣቕሑን ዝሽየጠሎምን ዕዳጋታት ኣለዉ–ብመሰረት ጸብጻብ ኲባንያ
ፋይናንስ ሳምብላ።