ካብ ሎሚ ዕለት 14/09/2020 ጀሚሩ፡ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝግበር መገሻ፡ ፍቑድ ምዃኑ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን ከምዝሓበረ TT ገሊጹ።
እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ዓዲ እንግሊዝ፡ ነቶም ካብ ሽወደን ዝመጽዋ በጻሕቲ፡ ካብ መስርሕ ውሸባ ነጻ ምዃኖም ድሕሪ ምሕባራ ምዃኑ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሓቢሩ።
ኣቐድም ኣቢሉ፡ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን፡ ናብ ኣንዶራ፡ በልጂም፡ ቡልጋርያ፡ ሳይፕረስ፡ ዴኒማርክ፡ ፈረንሳ፡ ግሪኽ፡ ኣይስላንድ፡ ዓዲ ጣልያን፡ ክሮኤሽያ፡ ሌሽተንስታይን፡ ሎክሰምቦርግ፡ ሞናኮ፡ ሆላንድ፡ ኖርወይ፡ ፖላንድ፡ ፖርቱጋል፡ ሮማንያ፡ ሳን ማሪኖ፡ ስዊዘርላንድ፡ እስፓኛ፡ ቼክ ሪፓፕሊክ፡ ጀርመን፡ ሃንጋሪ፡ ቫቲካንን ኣውስትርያን ምጋሽ ኣፍቂዱ ምንባሩ ይዝከር።
ናብተን ዝተረፋ ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ኤውሮፓዊ ቁጠባዊ ኣከባብን ከባቢ ሸንገንን ዝርከባ ሃገራት ንጸንሐ ቀይዲ ናይ ዘይተደልየ መገሻ ክሳብ 23 መስከረም ጽኑዕ ምዃኑ እቲ ሚኒስትሪ ኣዘኻኺሩ።