ካብ ዩክሬይን ሃዲሞም ኣብ ሽወደን ዕቚባ ዝረኸቡ መማህራን፡ ተሓጋገዝቲ መማህራን ንምዃን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ማልም ስልጠና ይወስዱ ምህላዎም፡ ኣገልግሎት ዜና TT ሓቢሩ። እቶም ዝስልጥኑ ዘለዉ መማህራን፡ ኣብ ዝቕጽል ጽድያ ናብ ስራሕ ክዋፈሩ እዮም ተባሂሉ’ሎ።
እዞም መማህራን መሰረታዊ ኣፍልጦ ስርዓተ-ትምህርቲ ሽወደን፡ ኣብ መንጎ መማህራን ዘሎ ርክባት፡ ሰብኣዊ መሰላት ከምኡ’ውን ኣፍልጦ ባህላዊ ጒዳያት ከም ዝወሃቦም፡ ብሓፈሻ ኣብያተ ትምህርቲ ሽወደን ኣብ ምስፋሕ ዴሞክራሲ ዘለዎም ተራ ክግንዘቡ ከም ዝግበር ተገሊጹ’ሎ። ድሕሪ’ቲ ኮርስ ዩክሬናውያን መማህራን ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ሽወደን ምስ ዩክሬናውያን ተማሃሮ ከም ተሓጋገዝቲ መማህራን ኮይኖም ክሰርሑ እዮም ዝብል ተስፋ ተነቢሩ’ሎ።