ኣብ ሰሜን ሽወደን ዘሎ ሓድሽ ናይ ስራሕ ጠለብ ንምምላእ፥ ኣስታት 100,000 ሰባት ናብኡ ምግዓዝ ከም ዘድሊ፡ እንተኾነ
ግና፥ ኣብቲ ከባቢ ዝሳለጥ ዘሎ ሰፊሕ ልምዓት ኢንዱስትሪ ኣጸቢቑ ንኽቀላጠፍ እዚ ብዝሓሸ ፍጥነት ክካይድ ከም ዝግባእ
ተገሊጹ። ኣብ ሆለፍተ ን 47 እተቐመጠን “ሲቲጋይድ” ብምዃን ዝሰርሕን ቶምስ ማርክሉንድ፥ “ሆለፍተ ክትቅመጣ ባህ እተብል
ከተማ እያ” ይብል። ክሳብ ሕጂ ካብታ ከተማ ውጽእ ኢልካ ኣብ ዝርከብ ሓድሽ ፋብሪካ ባተሪ ኣስታት 1700 ሰባት ክቚጽሩ ከም
ዝኸኣሉ፥ ኣጸቢቑ ምስ መልአ ኸኣ ክሳብ 4000 ሰራሕተኛታት ክሕዝ ከም ዝኽእል ማርክሉንድ ወሲኹ ኣመልኪቱ።
ብዘይካዚ፥ ኣብ ክንክን ጥዕናን ኣብያተ ትምህርቲ፡ ኣብያተ መግቢን ካልእን ሰራሕተኛታት ይድለዩ ምህላዎም ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን
ይሕብር። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከተማታት ኖርቦተንን ቫስትቦተንን ኣስታት 2,000 ሓደስቲ መጻእተኛታት ተቐቢለን ኣለዋ።
እንተኾነ ግና በዚ ሕጂ ዘሎ ፍጥነት፥ ኣብ ዝመጽእ ዓሰርተ ዓመታት ጠቕላላ ቊጽሪ ሓደስቲ ተቐማጦ ካብ 100 ሽሕ ንታሕቲ ከም
ዝኸውን፡ እዚ ድማ ካብ ትጽቢት ኣወሃሃዲ መንግስቲ ዝትሕት ክኸውን እዩ ዝብል ስግኣት ምህላዉ፥ ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ።