ቻይና ንወተደራዊ ህንጸት እትስልዖ ባጀት ኣብዚ ዓመት ብ 7% ክብ ኣቢላቶ። እዚ ወሰኽ ብምኽንያት እናነሃረ ዝመጽእ ዘሎ
ስግኣታት ድሕነት ምዃኑ ሃገራዊ ህዝባዊ ባይቶ እታ ሃገር ገሊጹ።
ቻይና ንምክኻል እትውዝዖ ባጀት ኣስታት 225 ቢልዮን ዶላር እዩ። ይዂንምበር እታ ከም ተጻይ እትርእያ ኣመሪካ ንምክልኻል
እተውጽኦ ባጀት ካብዚ ብ ኣርባዕተ ዕጽፊ ከም ዝዓቢ ዝፍለጥ እዩ። ተሰናባቲ መራሒ እታ ሃገር ን ሃገራዊ ህዝባዊ ባይቶ እታ ሃገር
ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ቻይና ንምዕጋት ዝወጣወጡ ኣእዳው ወጻኢ ኣናዓበዪ ምምጽኦም” ገሊጹ’ሎ። በዚ ድማ ሰራዊት እታ ሃገር
ልምምዶምን ምድላዎምን ከጽዕቚ ጸዊዑ’ሎ።