ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ፡ ኣብ ቻይና፡ ትማሊ ረቡዕ ዝተመዝገበ መጠን መልከፍቲ ኮሮና፡ እቲ ዝለዓለ ምዃኑ ጸብጻባት ሓቢሮም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
ብሰንኪ ሓድሽ ጅር ደልታ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ፡ 71 ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ከምዝተለኽፉን እዚ ቁጽሪ ድማ ዝለዓለ ተባሂሉ ከምዝተመዝገበን እቲ ጸብጻብ ገሊጹ። ቻይና፡ ነዚ ዝተራእየ መጠን ብዝሒ መልከፍቲ ንምቁጽጻር ብምባል፡ ናይ ኮቪድ መርመራታት ብጻዕቂ ተካይድ ከምዘላን ተረርቲ ሕግታት ዕጽዋ ከምዘመሓላለፈትን እቲ ጸብጻብ ከምዝሓበረ ተፈሊጡ።
ካብ መፋርቕ ወርሒ ሓምለ፡ ኣብ ከተማ በይጂን ጥራይ፡ ኣስታት 500 ሰባት ከምዝተለኽፉን ኣብ ዉሃን ድማ ድሕሪ ናይ ሓደ ዓመት ግዜ፡ ንፈለማ እዋን፡ ኣብዚ ሰሙን’ዚ፡ መልከፍቲ ኮሮና ብምምዝጋባ፡ እቶም 11 ሚልዮን ነበርቲ ናይታ ከተማ፡ መርመራ ኮቪድ ክካየደሎም ምዃኑ ተፈሊጡ።
ክሳብ ሕጂ፡ ነበርቲ ከተማ ናንቺንግ ዝኾኑ 9.2 ሚልዮን ህዝቢ፡ ሰለስተ ግዜ መርመራ ኮቪድ ከምዝተገብረሎምን ኣደራሻት ስፖርት፡ ሲነማታትን መንበሪ ከባቢታት ከምዝተዓጽዉ፡ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።
ኣብ ደቡብ ቻይና እትርከብ መስሕብ ቱሪስት ዝኾነት ከተማ ዣያንጂያጀ፡ ሓደ ካብ ከተማ ናንቺንግ ዝመጸ ቱሪስት፡ ናብ ኣደራሽ ትያትር ናይታ ከተማ ኣትዩ ከምዝነበረ ምስ ተፈልጠ፡ ሰብ መዚ ዣያንጂያጀ፡ ዝኾነ ሰብ ካብታ ከተማ ንኸይወጽእ ከልኪሎም ምህላዎም እቲ ጸብጻብ ገሊጹ።