ብደረጃ ሃብቲ፡ ኣብ ጽፍሒ ላዕለዎት 10 ሚእታዊት ካብ ዝርከቡ ሰብ-ማል፡ ቻይናውያን ካብ ኣመሪካውያን ንላዕሊ በዚሖም ከም እተረኽቡ ጸብጻባት ሓቢሮም። ቻይና፡ ብደረጃ ብዝሒ ሃብታማት፡ ካብ ሃገራት ዓለም ቀዳምነት ሒዛ ከምዘላን፡ ኣብዚ እዋን’ዚ 100 ሚልዮን ቻይናውያን ኣብ ቀዳማይ ጽፍሒ ሃብቲ ከም ዝርከቡን ተፈሊጡ። ኣመሪካ፡ ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝነበሩ ወነንቲ ሚልዮናራት ኣብዚ እዋን ዝበዝሑ ከም ዝርከቡዋ ዝሕብሩ ጸብጻባት፡ ብዝሖም ልዕሊ 18 ሚልዮን ሓሊፉ ከምዘሎ የረድኡ። ባንክታት ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ዓማዊል ዘሕልፋኦ ትሑት ቀረጽ፡ ኣብ ኣመሪካ ሚልዮነራት ክበዝሑ ከም ዝሓገዘ ምንጭታት የረድኡ።