ኣብ ሃገረ ኒውዚላንድ እተረኽበ ዘኽታም ኦርካ ዝዓይነቱ ዓሳ ነባሪ፡ ቶዋ፡ ኣዲኡ ንምርካብ እኳ ብዙሕ ጻዕሪታት እንተተኻየደ፡ ክዕወት ብዘይምኽሉ ከም ዝሞተ ተገሊጹ።
እዚ ክልተ ዓመትን ሽዱሽተ ኣዋርሕን ዝዕድሜኡን 2.5 ሜትሮ ዝንውሓቱን ህጻን ዓሳ ነባሪ ኣብ ውቅያኖስ ብዘይኣላይነት ኣዲኡ ክነብር ከም ዘይከኣለ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።
እዚ ዘኽታም ዓሳ ነባሪ፡ ልቦም ብሓዘን እተተንከፉ ኣማኢት ሰባት ብወለንተኦም ክሕግዝዎ እዮም ጸኒሖም። ኣብ መዓልቲ ኣርባዕተ ሳዕ ፍሉይ መግቢ ክዕንግልዎ እኳ እንተጸንሑ ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣትሒዙ ኲነታቱ ብፍጥነት እናበኣሰ ምምጻኡ ጒጅለታት መድሕን ዓሳ ነባሪ ይገልጹ። በዚ ድማ ወይ ምስ ኣዲኡ ክወሃሃድ ወይ ምስ ካልእ ዓሳ ነባሪ ክዓቢ ጻዕሪ እኳ እንተተኻየደ፡ ክሰምር ብዘይምኽኣሉ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ምሟቱ ብሓዘን ኣረዲኦም።