ማሌዥያዊ ኣትሌት፡ መሓመድ ዚያድ ዙልከፍሊ፡ ኣብ ክላስ F-20 ወርቂ ማዳልያ ተዓዊቱ እኳ እንተነበረ ናብቲ ውድድር ሰለስተ ደቓይቕ ደንጒዩ ብምምጻኡ ሽልማቱ ክሕደግ ኣህጒራዊ ኮሚተ ፓራ ኦሊምፒክ ኣጽዲቑ’ሎ።
ናብቲ ውድድር ሰለስተ ደቓይቕ ዝደንጎየሉ ርትዓዊ ምኽንያት ብምቕራቡ ክወዳደር ከም እተፈቕድሉ እንተኾነ ግና ሓደ ዳኛ ምድንጓዩ ፍጹም ቅቡል ክኸውን ከም ዘይክእል ብመሰረት ዘቕረቦ ምጒት እቲ ውሳነ ከም እተወስደ እታ ኮሚተ ኣፍሊጣ’ላ። ማሌዥያውያን በዚ ብርቱዕ ቊጥዐ ከም እተሰምዖም ብማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ኣቢሎም ይገልጹ ኣለዉ። “ዘሕፍር’ዩ። ቀደሙ ደንጒኻ ኢሎም ከትርፍዎ ኔርዎም። ሕጂ ብረሃጹ ንዘጥረዮ ክብረ ወሰን ዝሰበረ ሜዳልያ ኣይትመንጥልዎ” ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር ማሌዥያ፡ ፋህሚ ፋድዚል፡ ቅሬታኡ ገሊጹ’ሎ።