ኩነታት ሽወደን ብፍላይ ኣብ ሰሜን ሽወደን (ኖርቦተን) እቲ ብብርቱዕ ዛሕሊ ክጥቃዕ ዝግምገም ዘሎ ኣከባቢ ክኸውን ከም ዝኽእል ማእከል ሜትሮሎጂ ሽወደን ሓቢሩ። ኣብ ከባቢ ባያላ ኣከባቢ ናይ ንግሆ ሰዓታት -25.8 ዲ.ሴ ግሬድ ዝዓቀኑ ክምዘመዝገብ እዚ ድማ እቲ ዝተሓተ ዓቐን ሙቐት ምዃኑ ተፈሊጡ። እዚ ማዕበል ዛሕሊ ክሳብ ስቪያላንድ ክዝርጋሕ ምዃኑ ኣባል’ቲ ማእከል ኣሌክሳንድራ ኦልሰን ትዛረብ።
ከባቢታት ኖርላንድ፡ ስቨያላንድን ሰሜን ሌትላንድ ዝበዝሐ ግዜያት ጸሓይ ዝዓብለሎ ኩነታት ኣየር ክኸውን ከምዝኽእል እቲ ማእከል ይግመት። ደቡባዊ ክፋል ሌትላንድ ግመን ዝናብን ዝዓብለሎ ኩነታት ኣየር ክህልዎ እዩ። ትንቢት ኩነታት ኣየር ናይ ሰኑይን ሰሉስን ኣብ ሰሜን ከባቢ ቫርምላንድን ዳላናን ካብ ዜሮ ክሳብ -10 ዲ.ሴ ግሬድ ክኸውን ከምዝኽእል ማእከል ሜትሮሎጂ ይእምት። ናብ ሰሜናዊ ክፋል ሽወደን ምስ ትጓዓዝ ኩነታት ኣየር ብቕጽበት እናዛሓለ ይኸይድ። ኩነታት ኣየር ናይ ዝተረፉ ከባቢታት ሽወደን ካብ 0 ክሳብ 5 ዲ.ሴ ግሬድ ከመዝግብ ከምዝኽእል ይሕበር።
ንደቡባዊ ክፋል ሽወደን ምስ ንጓዓዝ ኣብ ከባቢታት ስሞላንድን ብሊኪንጊን ምውቕ ዝበለ ኩነታት ኣየር ክህሉ ከምዝኽእልን እዚ ግን ነቲ ዛሕሊ ናይ ምውራድ ተኽእሎታት ክዓግቶ ከምዘይክእልን በረድ ዝዓብለሎ ኩነታት ኣየር እናኣተወ ከምዝመጸን ኦልሰን ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ ሓቢራ። ካብ ረቡዕ ጀሚሩ ኣብ ሰሜን ሽወደን ከባቢታት ኖርላድን ስቪያላንድን ግመ ዝዓብለሎን ለውጢ ዘይብሉ ዝሑል ኩነታት ኣየር ክምዝገብ ከምዝክእልን ይኹን እምበር ኣብ ዩትላንድ ዓቕን ሙቐት ክውስኽ እዩ።