እቲ ካብ ስራሕን ትምህርትን ናጻ ዝኾነ ግዜ፡ ‘ትርፊ ግዜ (Fritid)’ ይብሃል። ብዙሓት ኣብ ሽወደን ዘለዉ፡ ኣብ ትርፊ ግዜኦም፡ ኣብ ማሕበራት፡ ዓማዊል ወይ ኣባላት ብምዃን ኣብ ፍሉያት ዘገድሱዎም ንጥፈታት ይነጥፉ። ኣብ ከምዚ ዝበሉ ማሕበራት ብምንጣፍ ዝንባሌኣዊ ተመኲሮታት ትለዋወጥን ትማሃሃርን። ኣብ ትርፊ ግዜኻ እትገብሮ ፍሉይ ተገዳስነት እንተለካ፡ ዕብይ ዝበለ መርበብ ክትፈጥርን ምስ ማሕበረ ሰብ ሽወደን፡ ዝያዳ ርክብ ክትገብርን ዕድል ኣሎካ። ነቶም ኣብዛ ሃገር ሓደስቲ ዝኾንኩም: ትርፊ ግዜ፡ ሓደስቲ ኣዕሩኽ እተጥርዩሉን ኣብ ሓጺር እዋን ትምህርቲ ቋንቋ እትማሃሩሉን ሓደ ኣገባብ’ዩ። ብመገዲ ማሕበር ጌርካ ድማ ኣብ ዓበይቲ ማሕበረ ሰብኣዊ ጒዳያት ትሳተፍ።
ኣብ ሽወደን፡ ናይ ማሕበራት ናጽነት ኣሎ። እዚ፡ ኣብ ደሞክራስያዊ ክፋል ናይቲ ሕብረተሰብ ኣገዳሲ እዩ። ማሕበራዊ ናጽነት ማለት፡ ኩሉ ሰብ፡ ማሕበር ክምስርት ናጻ እዩ ማለት እዩ። ሓባራዊ ዝንባለን ድሕረ ባይታን ዘሎዎም ሰባት፡ ማሕበር ክምስርቱ ይኽእሉ እዮም።
ኣብ ሽወደን፡ ብዙሓት ዝተፈላለያ ማሕበራት ኣለዋ። ንኣብነት ናይ ስፖርት፡ ሙዚቃ፡ ባህሊ ከምኡ’ውን ሃይማኖታዊያን ማሕበራት ዝኣመሰላ ማለት’ዩ። ዝበዝሕ ግዜ፡ ንጥፈታት ናይ ሓንቲ ማሕበር፡ ቊጠባዊ መኽሰብን ደሞዝን የብሉን።
ምምስራት ማሕበር
ማሕበር ክትተክል እንከለኻ፡ ቦርድ ማሕበር ከተቕውም ኣለካ። እቲ ቦርድ፡ ኣብቲ ማሕበር ዘገልግል እማመ ናይ መምርሒታት የቕርብ። እቲ ዝጸድቕ ሕጊ ከኣ፡ ‘ሕጊ ህንጻ ማሕበር’ ይብሃል። ዝበዝሓ ማሕበራት ኣብ መዛግብ ብዓል መዚ ግብሪ፡ ማለት ስካተቨርከት ዝተመዝገባ ኮይነን፡ ማሕበራዊ ቁጽሪ (organisationsnummer) ‘ውን ይውሃበን’ዩ። ብዘይካ’ዚ፡ ማሕበራት፡ ሕሳብ ባንኪ ወይ ናይ ፕሉስዢሮ ቁጽሪ ኣሎወን።
ርክብ ምስ ዝተፈላለያ ማሕበራት
ኣባል ሓንቲ ማሕበር ክትከውን እንተደሊኻ: ከምኡ’ውን ማሕበር ክትተክል ወይ ንማሕበርካ ዝኸውን ገንዘብ ክትሓትት እንተ ደሊኻ፡ ምስ ኮምዩንካ ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ ኮምዩን፡ ንኣብነት ‘ክፍሊ ምምሕዳር ትርፊ ግዜ (fritidsförvaltningen)’ ዝብሃል ክፍሊ፡ ነታ ማሕበር ክሕግዛ ይኽእል’ዩ።
ምንጪ: information om sverige