ጽባቐ ተፈጥሮና ንምድማቕ ዝተፈላለዩ መመላኽዒታት ንጥቀም ኢና። ካብዞም መመላኽዒታት ኣብ ዝበዝሐ ሕብረተ-ሰብ ዝዝውተር ካትም ወይ ናይ ኣጻብዕቲ ቀለቤት እዩ። ነዚ ኣብ ኣጻብዕቲ ኢድና እንገብሮ ካትም፡ ሰባት በብባህሎምን ሃይማኖቶምን ነናቶም መግለጺታት ይህብዎ እዮም። ካብዚ ተበጊሶም ድማ ሓደ ሰብ ንዝወደዮ ካትም ትርጉም እናሃቡ፡ ኣብ ምንታይ ደረጃ ከምዝርከብን እንታይ ዝምድናታት ከምዘለዎን ይፈልጡ። ትርጉም ናይ ኣጻብዕቲ ቀለቤት ካብ ናይ ቀደም ታሪኽን ባህልን ዝመጸ’ዩ። ክሳብ’ዚ እዋን’ዚ ድማ ዝተፈላለየ ትርጉም ይወሃቦ ኣሎ።
እታ ካብ ኩለን ዝነኣሰት ኣጻብዕቲ (ሕንጥሊቶ)፡ ኣብ ዝበዝሐ ሕብረተሰብ ሃይማኖታዊ ይኹን ባህላዊ ትርጉም የብላን። ካብ ክፍሊ ኣካላትና ፍልይ ኢላ ስለእትርከብ’ውን ናይ ገዛእ ርእሳ መግለጺ’ዩ ዝወሃባ። ኣብዛ ኣጻብዕቲ ካትም ምስ ዝእሰር ብፍሉይ ኣንጸባራቒት ይገብራ። እቲ ኣብዛ ኣጻብዕቲ ካትም ዝኣስር ሰብ’ውን ንፉዕ ዘታይን ምሁርን ከምዝኾነ ይእመነሉ።ኣብ የማነይቲ ሕንጥሊቶ ኣጻብዕትኻ ካትም ምእሳር’ውን ኣብቲ ዝለዓለ ናይ ክብሪ ደረጃ ከምዘለኻ ትገልጸልካ።
ናይ ጸጋመይቲ ኢድና ሕንጥሊቶ ኣጻብዕቲ፡ ዝተፈላለዩ ትርጉም’ዩ ዝወሃባ።ኣብ ገለገለ ሕብረተ-ሰብ፡ ኣብ እዋን መርዓ ሰብኣይ ኣብ ንእሽቶይ ኣጻብዕቲ ናይ ጸጋመይቲ ኢዱ ድርብ ካትም ምስ ዝወዲ፡ ተመርዕዩ ከም ዝነበረ ይሕብረሉ። ኣብ ብሪጣንያን ካልኦት ምዕራባውያን ሃገራትን፡ ደቂ-ተባዕትዮ ኣብ ጸጋመይቲ ሕንጥሊቶ ኣጻብዕቶም ካትም ክለብሱ ምርኣይ ኣዝዩ ልሙድ እዩ።
እታ ብቀለቤቶ እትፍለጥ ናይ ቃል-ኪዳን ኣጻብዕቲ፡ ንፍቕሪ፡ ጽባቐን ዝምድናን ትገልጽ። ኣብ ዝበዝሑ ሕብረተ-ሰብ፡ እዛ ኣጻብዕቲ ምስ ወርሒ፡ ተፈጥሮ፡ ጽባቐ፡ ብፍሉይ ከኣ ምስ ፍቕራዊ ዝምድናታት ዝተእሳሰሩ ነገራት ትገልጽ።
ኣብ ዝበዝሑ ሕብረተ-ሰብ፡ ኣብዛ ናይ ጸጋመይቲ ኢድና ቀለቤቶ ኣጻብዕቲ ካትም ምግባር ምስ ናይ መርዓ ወይ’ውን ሕጸ ምትእስሳር ከም ዘለዋ ይሕብር። ኣብዛ ኣጻብዕ ካትም ምስ እትለብስ፡ ምርዑው ወይ’ውን ሕጹይ ምዃንካ ተፍልጥ ኣለኻ ማለት’ዩ። ታሪኽ ከም ዝሕብሮ፡ እዚ ልምዲ’ዚ ካብ ናይ ሮማ ግዝኣታት ከም ዝመጸ ይፍለጥ። ብዘይካ’ዚ፡ ካብዛ ኣጻብዕቲ ዝብገስ ሰራውር ደም’ውን ክሳብ ልቢ ከም ዝበጽሕ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ይገልጹ። ብተወሳኺ፡ ብዙሓት ሰባት ናይ ፍቕሪ መብጽዓ ንምእታው ኣብዛ ኣጻብዕቲ ካትም ይገብሩ። ሽሕ’ኳ ዝበዝሕ ሰብ ቃል-ኪዳን ኣብ ኣጻብዕቲ ናይ ጸጋመይቲ ኢዱ ዝለብስ እንተኾነ፡ ኣብ ጀርመን፡ ሩሲያን ህንድን ግን ቃል-ኪዳን ኣብ ኣጻብዕቲ ናይ የማነይቲ ኢዶም’ዮም ዝኣስሩ። ኣይሁዳውያን ድማ ኣብ ራብዐይቲ (ኣመልካቲቶ) ኣጻብዕቲ ናይ የማነይቲ ኢዶም ቃል-ኪዳን ይኣስሩ። ገለገለ መርዑት ከኣ ድሕሪ ቃል-ኪዳነን ነዛ ካትም ካብ የማነይቲ ኢደን ኣውጺአን ናብ ጸጋመይቲ ኢደን የሰጋግረኣ።
ማእከለይቲ (ማእከለይቶ) ኣጻብዕቲ ኢድ፡ ንሓላፍነት፡ሓይሊ፡ ጽባቐን ጽንዓትን ትገልጽ። ኣብዛ ኣጻብዕቲ’ዚኣ ካትም ምልባስ ኣብ ዝበዝሐ ሕብረተ-ሰብ ልሙድ ስለዘይኮነ፡ ሰብ ነናቱ ትርጉም’ዩ ዝህባ። ኣብ ጸጋመይቲ ማእከለይቲ ኣጻብዕቲ ዝእሰር ካትም ንጹር ትርጉም የብሉን። ብተመሳሳሊ ናይ የማነይቲ ኢድ ማእከለይቲ ኣጻብዕቲ’ውን ፍሉጥ ዝኾነ ትርጉም ስለዘይብላ፡ ኣብኣ ዝእሰር ካትም ዝኾነ ትርጉም ዝወሃቦ ኣይኮነን።
ራብዕይቲ (ኣመልካቲቶ) ኣጻብዕ፡ ንሓላፍነት፡ ክብሪ፡ ስልጣንን ርእሰተኣማንነትን ትገልጽ። ኣብዛ ኣጻብዕቲ’ዚኣ ካትም ምእሳር ከኣ፡ ርእሰ ተኣማንነት፡ ዓቢ ሓላፍነትን ብቕዓትን ከም ዘለካ ትሕብረልካ። ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ኣመልካቲቶ ኣጻብዕቲ እትእሰር ካትም ንምርኣያ ዝበለጸት ብምዃና፡ ብብዙሓት ሰባት ተመራጺት እያ።
ዓባይ ዓባይቶ፡ ንውልቃውን ሓባራውን መረጋገጺ ሰብኣዊ መሰል ትገልጽ። ኣብ ዓባይ ዓባይቶ ናይ የማነይቲ ኢድ ካትም ምውዳይ፡ ህንጡይነት ከም ዘለካ ትሕብር። ኣብ ጸጋመይቲ ዓባይ ዓባይቶ ካትም ምግባር ድማ ምስ ውሽጥኻ ባእሲ ከምዘለካ ተርኢ። ጸጋመይቲ ዓባይ ዓባይቶ፡ ኣብ ዝምድናታትካ፡ ክእለታትካን ካልኦት ኣገደስቲ ነገራት ናይ ህይወትካን ዝኾነ መግለጺ የብላን። እዚ ይኹን ደኣምበር፡ ብመዳይ ፋሽን ክርአ እንከሎ መግለጺታት ይወሃባ እዩ። ኣብዛ ኣጻብዕቲ ካትም ምእሳር፡ ኣብ ኣከዳድናኻ ግዱስን ርእሰ ተኣማንነት ዘለካን ምዃንካ ትሕብረልካ። የማነይቲ ዓባይ ዓባይቶ’ውን ብተመሳሳሊ ምስ ውልቃዊ ህይወት ብፍሉይ ዝተኣሳሰር መግለጺታት የብላን። ኣብ ገለ ሕብረተሰብ ግን፡ ኣብዛ ኣጻብዕቲ ናይ ቃል-ኪዳን ካትም ከም ዝኣስሩ ይፍለጥ።
ምንጪ: internet