ኣመሪካዊ ተጻዋታይ ሙዚቃ ራፕ ኣሳፕ ሮኪ ጒዳዩ ብቤትፍርዲ መዓልቦ ክሳብ ዝረክብ ኣብ ቤትማሕቡስ ክጸንሕ ብቤት ፍርዲ ሽወደን ድሕሪ ምውሳኑ ሉቨን ብፕረሲደንት ትራምፕ ዘለፋ ከም ዝበጽሖ ተፈሊጡ። “ንኣሳፕ ፍትሕዎ። ንሕና ንሽወደን በዓልውዕለታ ኢና። ኢድና እዚ ኣይኮነን” ክብል ትራምፕ ኣብ ናይ ትዊተር ገጹ ጽሒፉ’ሎ። “ሽወደን ኣብ ሓቀኛ ናይ ገበን ብድሆታታ ኣብ ክንዲ ተተኲር ኣብ ከምዚ ክትጽመድ ኣይነበራን” ክብል ድሕሪ ምውሳኽ ሉፈን ግቡእ ቆላሕታ ኣይገበረን ክብል ዘሊፍዎ።
ዝሓለፈ ሰሙን ሉቨን ኣብ ጒዳይ እዚ ኣመሪካዊ ኢዱ ብምእታው ብህጹጽ ከፍትሖ ትራምፕ ንሉፈን ምሕታቱ ዝዝከር ኮይኑ ሉፈን ኣብ ጒዳይ መስርሕ ፍርዲ ኢዱ ከእቱ ዝኾነ ሕጋዊ መሰል ከም ዘይብሉ ብትሪ ስሕሪ ምምላሱ እዩ እዚ ግብረመልሲ ዝስዕብ ዘሎ። ኣፈኛ ሽወደን ናታሊ ሲያል ኣብ ዘለፋ ትራምፕ መልሲ ካብ ምሃብ ተቘጢባ’ላ።