ትምህርቲ ቋንቋ
ሓደ ካብ ወለዲ፡ ወይ ክልቲኦም ወለዲ፡ ካብ ሽወደንኛ ወጻኢ ቋንቋ ኣደ ዝዛረቡ እንተኾይኖም፡ እሞ ድማ፡ እቲ ቋንቋ ኣብ ገዛ ዝጥቀሙሉ ቋንቋ እንተኾይኑ፡ እቲ ቖልዓ፡ ነዚ ቋንቋ’ዚ ክምሃሮ መሰል ኣሎዎ። ግን ከኣ፡ እቲ ቖልዓ፡ መባእታዊ ኣፍልጦ ናይቲ ቋንቋ ክህሉዎ ይግባእ። ኣብ ገዛ’ውን ኩሉ ግዜ ዝጥቀመሉ ክኸውን ይግባእ።
ካልእ ቋንቋ ኣደ ዘሎዎም ተማሃሮ’ውን፡ ሽወደንኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ (Svenska som andraspråk) ክምሃሩ መሰል ኣሎዎም። ሽወደንኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ፡ ንጀመርትን ነቶም ድሮ ሽወደንኛ ዝኽእሉን ተማሃሮ’ዩ ተዳልዩ። ሽወደንኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ፡ ከም መደባዊ ትምህርቲ ሽወደንኛ እዩ። እቲ ኣመሃህራ፡ ምስቲ ናይቲ ካልእ ቋንቋ ኣደ ዘሎዎ ሰብ ከም ዝመቻቻእ ተገይሩ እዩ ዝካየድ።
መቀራረቢ ወይ መዳለዊ ክፍሊ (Förberedelseklass)
ኣብ ሽወደን ሓደስቲ ዝኾኑ ቆልዑ፡ ዝመሃሩሉ መቀራረቢ ወይ መዳለዊ (Förberedelseklass) ዝብሃል ክፍሊ ኣሎ። ኣብዚ ክፍሊ’ዚ፡ ተማሃሮ፡ ሽወደንኛ ይለማመዱን ዝተፈላለዩ ዓይነታት ትምህርቲ ድማ ይምሃሩን። እዞም ተማሃሮ’ዚኣቶም፡ ብዝተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ፡ መደበኛ መባእታ ቤት ትምህርቲ ምእንቲ ክቕጽሉ፡ ትምህርቲ ይውሃቦም። ንዕድመ፡ ቋንቋ ኣደን ዝሓለፈ ደረጃ ትምህርትን ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ ትምህርቲ ዝተፈላለየ መልክዕ ክሕዝ ይኽእል’ዩ። ኣብ ብዙሓት ኮምዩናት ሽወደን፡ መቀራረቢ ክፍልታት ኣሎዉ።
ምንጪ: informationsverige