መንግስቲ ቱርኪ ኣብ ትሕቲኡ ዝርከቡ ኣባላት ዳዕሽ ዝተፈላልየ ሃገራት ዝኾኑ ነናብ ሃገሮም ከምተፋንዎም ትገልጽ። ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ቱርኪ ሱለይማን ሶይሉ ሃገሩ ካብ ሰኑይ ጀሚራ ምሩኻት ኣባላት ኣይሲስ ነናብ ሃገሮም ከምትመልሶም ምኻና ንመንግስታዊ ማዕከን ዜና ኣናዶሉ ሓቢሩ እሱ ኣብ መግለጺኡ እቶም ዜጋታት ተፈላለያ ሃገራት ኤውሮፓ ዝኾኑ ምሩኻት ነናብ ሀገሮም ክንሰዶም ምኻና ነተን ሃገራት ከምዝሓበርወን ኣፍሊጡ ። ቱርኪ ሆቴል ናይ ኣባላት ኣይሲስ ኣይኮነትን ዝበለ ሚኒስተር ኣብ ሰሜን ሶርያ ዝሓዝዎ ኣስታት 287 ሓውስካ ኣስታት 1200 ምሩኻት ኣባላት ኣይሲስ ከምዘለው ገሊጹ።