ኣብታ ዝዓበየት ከተማ ቱርኪ ዝኾነት ኢስታምቡል፡ ኣብ ገዛ ዝተሰርሐ ኣልኮላዊ መስተ ድሕሪ ምስታዮም፡ ብውሑዱ 22 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት 16 ሰባት ድማ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ዘለዉ ኮይኖም ኣብ ሆስፒታል እታ ከተማ ተዓቑቦም ከምዘርከቡ ከንቲባ ከተማ ኢስታንቡል ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
11 ካብቶም ዝሞቱ ሰባት፡ ዜጋታት ናይ ወጻኢ ሃገር ምዃኖም፡ እቲ ከንቲባ ወሲኹ ሓቢሩ።
ሰብ መዚ ቱርኪ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ውሽጢ ገዛ ኣልኮላዊ መስተ ዘፍርዩ 300 ኣድራሻታት፡ ሃንደበታዊ ፈተሻ ብምክያዶም፡ ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ብኣሽሓት ሊትሮታት ዝዕቀን መስተ ክረኽቡ እንከለዉ፡ ልዕሊ 85 ሰባት ድማ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮም ኣለዉ።
ብሰንኪ ከምዚ ዓይነት ፍርያት ዘጋጥሙ ሓደጋታት፡ ናይ ፈለማ እዋን ከምዘይምዃኖምን፡ ቅድሚ ሕጂ ውን የጋጥሙ ምንባሮም እዩ ዝግለጽ። ጠንቂ ናይዞም ሓደጋታት ክኸውን ዝኽእል ድማ፡ ብሰንኪ ዝቕባበ ባጤራ ቱርኪ፡ ዋጋታት ናይ ኣልኮላዊ መስተ ስለ ዝለዓሉ እዩ ተባሂሉ ኣሎ።