መንግስቲ ቱርኪ፡ “ሽወደን ኣባል NATO ንኽትክውን ከተማልኦ ዝግባእ” ዝበሎም ረቛሒታት፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ምዝርዛሩ ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ሓቢራ። ሽወደንን ፊንላንድን፡ ኣባላት ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ– NATO– ንክኾና፡ ኲለን ኣባላት እቲ ኪዳን ክሰማምዓ ከም ዝግባእ ዝፍለጥ እዩ። ክልቲአን ሃገራት፡ ናይ ኣባልነት ሕቶአን ኣብ ዝሓለፈ 18 ግንቦት ምእታወን ዝዝከር ኮይኑ፡ ክሳብ ሕጂ ሃገረ ቱርክ ጥራይ እያ ን ኣባልነት እዘን ሃገራት ብዓይኒ ጠርጠራ ከም እትርእዮ ገሊጻ ዘላ። ቱርኪ፡ ክልቲኣተን ሃገራት ነቲ PKK ዝበሃል ኣንጻር መንግስቲ ቱርኪ ዝቃለስ ጒጅለ ካብ ምሕጋዝ ክቚጠባን፡ ኣባላቱ ኣሕሊፈን ክህባን እያ፡ ከም ቀንዲ ረቛሒ ኣቕሪባ ዘላ፡ ክትብል ኖርወይ ኦንላይን ን ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ብምጥቃስ ጸብጺባ’ላ።