ካብ ቊርዲድ ዝምንጩን ጠንቂ ነድሪ ሓንጎል (TBE) ዝኾነን ቫይረስ፡ ኣብ ደቡባዊን ማእከላይን ሽወደን ኣዝዩ ኣስፋሕፊሑ
ምህላዉ ተገሊጹ። በዚ ድማ፡ ኣብ ገጠራት ዝርከቡ ሽወደናውያን፡ ብፍላይ ድማ እቶም ኣብ መሮር ዝውዕሉ ኲሎም ዘድሊ ክትባት
ክወስዱ፡ ዞባዊ ሰብመዚ ጥዕና ለበዋ ከቕርቡ ጀሚሮም ኣለዉ።
እዚ ስጒምቲ፡ “ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና” ነዚ ሕማም ኣመልኪቱ ኣጠቓላሊ ለበዋታት ንከሕልፍ ዝኽእሎ መርመራ ምጅማሩ
ዘመልክት ምዕባለ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ነድሪ ሓንጎል ብ መንከስቲ ቊርዲድ ዝኽሰት ሕማም ኮይኑ፡ በዚ ቫይረስ እተለኽፈ ሰብ ናይ
ምስትንፋስን ምንቅስቓስን ጸገም ከም ዝጓንፎ፡ ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ከኣ ብትኽክል ናይ ምሕሳብ ዓቕሙ ከም ዝዘናበልን
ሕክምናዊ ጸብጻባት የመልክቱ። ኣብ ገለ ሰባት ቅልል ዝበለ ምልክታት ሰዓል ጥራይ ዘርኢ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ዝበዝሑ ግና ቃንዛ
ሓንጎልን ክሳብ ክሳድ ኣንቅጺን ዝመሰሉ ሕማማት ከስዕብ ዝኽእል ሓደገኛ ሕምም ምዃኑ ዝገለጸ እቲ ኤጀንሲ፡ እዚ ቫይረስ ኣብ
4-5º C መጠን ሙቐት ብፍላይ ንጡፍ ምዃኑ ወሲኹ ኣመልኪቱ።
ነዚ ቫይረስ ዝስከም ቊርዲድ ኣብ ገጠራት ኣብ ሓጺር ሳዕርታት ከይተረፈ ዝርከብ ብምዃኑ፡ ሰባት ብዝቐልጠፈ ክኽተቡ ለበዋ
ቀሪቡ’ሎ።