ፕረዚደንት ኣሜሪካ፡ ጆ ባይደን፡ ምስ ማዕከን ዜና ኤቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕተት፡ ፑቲን፡ ቀታሊ ሰብ ድዩ ኣይኮነን ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበሉ፡ እወ ቀታሊ ሰብ እዩ ክብል መልሲ ከምዝሃበ ይፍለጥ።
ቭላድሚር ፑቲን፡ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ሓደ ሰብ እቲ ንሱ ዝኾኖ ጥራይ እዩ ዝዛርብ ክብል ናይ ንእስነቱ ዝነበረ መግለጺ ተጠቂሙ ኣብ ቅድሚ ሃገርዊ ተሌቪዥን ክላገጽ ድሕሪ ምስምዑ ከምኡ ጥራይ ዘይኮነ፡ (ጆ ባይደን) ናይ ኣእምሮ ጸገም ኣለዎ ማለት እዩ ክብል ሓቢሩ።
እቲ ብኽልቲኦም ወገናት ዝተሰምዐ መግለጺታት፡ ንዝምድናታት ክልቲአን ሃገራት ኣብ ወጥሪ ከእትወን ከምዝኽእል ተንተንቲ ይገልጹ።
ንርክባት ክልቲአን ሃገራት ኣመልኪቱ፡ ፑቲን፡ ሞስኮ ምስ ኣሜሪካ ዘለዋ ርክባት ዘርባሓ እንተድኣ ኮይኑ ክትቅጽሎ ምዃና ሓቢሩ።